ሃገራዊ ሪፎርም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ እጃም ኣበርኪቱ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

You are currently viewing ሃገራዊ ሪፎርም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ እጃም ኣበርኪቱ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 9 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሃገራዊ ሪፎርም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ እጃም ኣበርኪቱ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) “ፀብለልታ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል ኣብ ዝተኻየደ ኮንፈረንስ ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ ከምዝበልዎ፤ እቲ ሃገራዊ ሪፎርም ብቑዕ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምፍጣር ዝለዓለ እጃም ኣበርኪቱ እዩ።

ሰብ ዝኾነ ዓይነት ተግባራዊ ስራሕ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ሕድ ሕድ መዓልቲ ትምህርቲ እዩ፣ሕድ ሕድ ፈተና ድማ ንትምህርቲ እታዎት እዩ ኢሎም።

ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ምንቅስቓሳት ከም ዕድል ብምጥቃም ምምሃርን ምዕባይን ከምዝከኣል እውን ሓቢሮም።

እቲ ሪፎርም እንትጅመር ዝነበሩ ኣመራርሓታት ኣብቲ ከይዲ ፍልጠቶም ብዝለዓለ ብርኪ ከምዘዕበዩ ብምሕባር፤ ሓደሽቲ ናብ ኣመራርሓ ዝመፁ ድማ ኢትዮጵያ ተስፋን መራሕትን ከምዘለውዋ መርኣያ እዮም ኢሎም።

ይኹን እምበር እዚ ማለት ኩሉ ፈሊጥና ኣይወዳእናዮን ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ፤ ሕዚ እውን ብዙሓት ዝተርፉ ዕዮታት ገዛ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።

ኣብ እዋን ውሳነ ተመን ሸርፊ ገንዘብ ዝነበረ ኩነታት ከም ኣብነት ብምግላፅ፤ ኣብቲ እዋን ውሳነ ንምሕላፍ ንክልተን ሰለስተን ዓመታት ሰፋሕቲ ክትዓትን ዘተታትን ከምዝተገበሩ ኣዘኻኪሮም።

ኣብዚ ከይዲ ክትዕ ኣብቲ ኣመራርሓ ልዑል ዓርሰ እምነት፣ልምድን ፍልጠትን ከምዝተፈጠረ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ውፅኢት መርኣያ እቲ ከይዲ እዩ ኢሎም።

ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ሃገር ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዘለዎን ብዝግመት መንገድን ክምራሕ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ሃፍቲ እታ ሃገር ብኣግባቡ ንምምሕዳር ቴክኖሎጂ ምጥቃም ወሳኒ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply