ናይ ሓለዋ ኸባቢ ስርዓትና ድኹም ብምዃኑ ደጊምካ ንምትካእ ብጣዕሚ ኣድካምን ኣፀጋምን ልሙዕ ሓመድና እንሰኣንና ፀኒሕና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ብትሕብብር ህዝብን መንግስትን ዝተጀመረ ስራሕቲ ሓለዋ ኸባቢ ኣዋርሕ ዝናብ ቅድሚ ምቅራቡ ምስራሕ ምጅማሩ ተስፋ ዝህብ እዩ ኢሎም።
ሃፍትታት ተፈጥሮታትና ብኹሉ መዳይ ምልማዕ ናይ ኹሉ ግዜ ተግባርና ይኹን። ንበርትዕ፣ ኣእዳውና ሓመድ ይንክኡ፣ሃገር ነልምዕ!ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።