ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር አለዎ-ጀነራል ሳሞራ የኑስ

You are currently viewing ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር አለዎ-ጀነራል ሳሞራ የኑስ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 23 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ መንግስቲ ክመሓደር ኣለዎ ክብሉ ነበር ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጀነራል ሳሞራ የኑስ ገሊፆም፡፡ ጊዚያዊ መንግስቲ እናተብሃለ ክቕፅል የብሉን ክብሉ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

ጀነራል ሳሞራ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ክመርፅ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝመረፆ መማሓደሪ ክነብር ክኽእል ኣለዎ፤ ጊዚያዊ መንግስቲ እናተብሃለ ክቕፅል የብሉን ይኣክል፤እዚ ክኸውን ተኾይኑ ድማ መረፃ ክግበርን ህዝቢ ብዝመረፆ ኣመሓዳሪ ክምራሕን አለዎ፡፡

ጀነራል ሳሞራ፤ መረፃ ሕገ መንግስታዊ መሰል ህዝቢ ከም ዝኾነ ብምጥቃስ፤ውድባት ተሳተፍትን ተወዳደርትን ‘’እዙይ ተዘይተገይሩለይ መረፃ የለን’’ ምባል ግና ፀረ ሕገ መንግስቲ ‘ዩ፤ ፍትሓዊ ድማ አይኮነን ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ትግራይ ዘሎ ጊዚያዊ መንግስቲ ድማ ይኣክል ህዝቢ ትግራይ ብዝመረፆ ይመሓደር ክብል ኣለዎ፤ ክብል ‘ዩ ኢለ ድማ ተስፋ ይገብር ዝበሉ እቶም ጀነራል፤ እዚ ድማ ኩሎም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ‘ውን ክድግፍዎ አለዎም፤መረፃ ከም ሓደ መደራደሪ ገይርኻ ምውሳድ ግና ልክዕ ኣይኮነን ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ እስካዕ ሐዚ ኣብ ፌደራል ውክልና ከምዘይብሉ ብምዝኽኻር ክመርፅን ኣብ ፌደራል ተወካሊ ኣካል ክገብር ከም ዘለዎ ምስ ጠቐሱ፤ ኣብ ፌደሬሽንን ምክር ቤትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ካልኦት ትካላት ውክልና ክህልዎን ናይ ባዕሉ ኣመሓደርቲ ክመርፅን ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ህዝቢ ካብ ሰላም ተጠቃማይ ምዃኑ ዝጠቐሱ እቶም ጀነራል፤ውሽጣዊ ሰላም ዝያዳ ንኽጠናኸር ልዕልነት ሕግን ተሓታትነትን ክልመዱ ይግባእ፤ጉዳይ ተሓታትነት እናጠናኸርና ብዝኸድና ቑፅሪ ጉዳይ ሰላም እናተጠናኸረ ክኸይድ

‘ዩ፤ ተሓታትነት እንተሃልዩ ልዕልነት ሕጊ ይረጋገፅ ‘ዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ዘላቒ ፍታሕ ንምምፃእ ኣብ ትግራይ ሰላም ክሰፍን ይግባእ ዝበሉ እቶም ጀነራል፤ሰላም ማለት ልምዓትን ትምህርትን ‘ዩ ከምኡ ድማ ኹሉ ነገር ‘ዩ ምስ በሉ፤ ንሰላም ዘዐንቅፉ ነገራት እንዳተኸታተልካ ምስትኽኻል ከም ዘድልይ ሓቢሮም፡፡

እቶም ጀነራል፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ወፃኢ ዓዲን ኮይኖም ንትግራዋይ ዝድግፉ መሲሎም ዝንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፤ ኻሊእ ፅግዕተኛ ሓይሊ ድማ ብናይ ትግራይ ደም ድሌቱ ክፍፅም ዝደልይ አሎ፤ ስለዝኾነ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣመራርሓን ህዝብን እዙይ ክርድኦ ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ትግራይ ንዝተፈጠሩ ፀገማት ካሊእ በዓል ዋና ምድላይ ጠጠው ክብል ኣለዎ፤ ንባዕልና ንርአይ ውሽጥና ነፅርይ፤ እዙይ እንተገይርና ነገራት ክነዐርይ ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ ክብሉ ምዒዶም፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply