ህይወት ዘድሐኑ ተበዓት

You are currently viewing ህይወት ዘድሐኑ ተበዓት
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 12 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ንጓል ትሽዓት ወርሒ ቈልዓ ትቃጸል ካብ ዝነበረት መኪና ዘውጽኡ ሰባት ተሞጒሶም፡፡

ዌልስ በይኖንን ማርክ ዊልዲንግን፡ መርቲር ቲድፊል ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዌልስ፡ ሓንቲ ብትኪ ዝተዓብሎኸት መኪና ምስ ረኣዩ፡ ዝረኸበ ይርከበና ኢሎም ‘ዮም ክሕግዙ ጎይዮም።

ኣብኡ ምስ በጽሑ ጓል ትሽዓት ወርሒ ቆልዓ ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ምህላዋ ርእዮም፡ ህይወቶም ከይበቐቁ ከድሕንዋ ክኢሎም።

ኣደ እዛ ህጻን ኣሌክስ ማክሊን ኣብ ዌክስ ኣብ ሓደ ጽርግያ መኪና እናዘወረት ከላ፡ መኪናኣ ክትተክክ ምስ ጀመረት ደው ኣቢላታ።

ሽዑ ወሪዳ ነታ ኣብ ውሽጢ ዝነበረት ጓል ትሽዓት ወርሒ ጓላ ከተውጽኣ ማዕጾ ክትከፍቶ ምስ ፈተነት ግና ምኽፋት ኣብይዋ።

እታ መኪና ካብ ትኪ ሰጊራ ብቅድሚት ቃል ቃል እናበለት ክትቃፀል ምስ ጀመረት ዌስሊ በይኖንን ኣኩኡ ማርክ ዌልዲንግን ነታ ማዕጾ ከትከፍት ትፅእር ዝነበረት ኣዶ ንኽሕግዝዋ መኪነኦም ደው ኣቢሎማ።

ድሕሪኡ ዌስሊ ብናይ ሓጋዚ ሽፈር ማዕፆ ብምእታው ነታ ሊላህ ዝተብሃለት ጓል ትሽዓት ወርሒ ህፃን ኣውጺእዋ፤ማርክ ድማ ተቐቢሉ ናብ ድሓን ዝዀነ ቦታ ኣርሒቑዋ እዩ።

ድሕሪ ውሑዳት ደቓይቕ እታ መኪና ሙሉእ ብሙሉእ ብባርዕ ተሸፊና።

ወላዲት እዛ ህጻንን እቶም ዘድሓንዋ ዌስሊን ማርክን ብዝኻለፈ ቀዳም ክመሸጋገኑ ዝተራኸቡ እንትኾኑ ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ማርክ ህፃን ሊላህ ብዛዕባ እቶም ህይወታ ዘድሓንዋ ክልተ ሰብኡት እናሰምዐት’ያ ክትዓቢ፤ ብፍጹም ከዓ ኣይክትርስዓናን’ያ ብምባል ተዛሪቡ።

እቲ ኩነታት ዝሓለፈ ረቡዕ ዘጋጠመ እንትኸውን ኣሌክስ ብዛዕባ እቲ ፍፃመ ክዝክር ከላ “ኣዝየ’የ ሰንቢደ፡ ነቲ ማዕጾ ክኸፍቶ ምስ ፈተንኩ ኣብዩኒ። ኩሉ መዓፁ ዝተዓፀወ መሲሉኒ ካብኡ ከእዊ ጀሚረ፡” ትብል።

ድሕሪኡ ካብተን ብጥቕኣ ዝሓልፋ ዝነበራ መካይን ሓገዝ ንምርካብ ብዓውታ ክትሓትት ጀሚራ።

በቲ ሒዛቶ ዝነበት መፍትሕ ነቲ ፍኒስትራ ክትሰብሮ ፈቲና’ውን ክዀነላ ኣይክኣለን።

“ጓለይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ብኽፉእ ክትጠፍእ’ያ ኢለ ብስንባደ ሃለዋተይ ከጥፍእ ቀሪበ፡” ትብል።

ኣብዚ ህሞት ግና ኣብ ስራሕ ምልሓም ሓፂን ዝተዋፈረ ወዲ 39 ዓመት ዌስሊን ማርክ ዌልዲንግን ክበፅሑላ ከምዝኽኣሉ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply