ልምዓት ወሰን ሩባታት ኣብ ሓሳብና እንርእያ ኣዲስ ኣበባ ብጭቡጥ ኣብ ባይታ ዘተግብርናዮ ዓቕሚ መርኣያ ይከኣል ዘርኢ እዩ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን

You are currently viewing ልምዓት ወሰን ሩባታት ኣብ ሓሳብና እንርእያ ኣዲስ ኣበባ ብጭቡጥ ኣብ ባይታ ዘተግብርናዮ ዓቕሚ መርኣያ ይከኣል ዘርኢ እዩ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 5 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ልምዓት ወሰን ሩባታት ኣብ ሓሳብና እንርእያ ኣዲስ ኣበባ ብጭቡጥ ኣብ ባይታ ዘተግብርናዮ ዓቕሚ መርኣያ ይከኣል ዘርኢ እዩ ክብላ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣበበ “ትንሳኤ ሩባታት ኣዲስ ኣበባ” ኣብ ዝብል ሰነዳዊት ፊልም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይሰርሑ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ኣዲስ ኣበባ መፈልፈሊት ስፖርተኛታትን አትሌታትን ከምኡ እውን መንበሪቶምን እያ ዝበላ እተን ከንቲባ ፣ ኣብ ክልላት ብዙሓት ኣትሌታት እኳ እንተሃለዉ፣ ናብራኦምን ልምምዶምን ግን ኣዲስ ኣበባ ከምዝኾነ ገሊፀን።

በዚ መበገሲ እዚ ኣብ እንጦጦ ኣበበ ቢቂላ ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ካልኦት ተሰሪዖም፡ ንዝኽሮም ዝኽሪ መዘከርታ ሰሪሕና ኣለና ኢለን።

እዚ ድማ መንእሰያት ኣኽራን ክድይቡን ክወርዱን፡ ኣካላቶም ከማዕብሉን ኣእምሮኦም ከዳልዉን ዘተባብዕ ምዃኑ ከንቲባ ኣዳነች ኣበበ ኣብሪሀን።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓቢይ እምባ ምድያብን ምውራድብ ዓቢይ መስሕብን ቦታን በጻሕቲ እዩ። እዚ ኣብ እንጦጦ ተግባራዊ ኮይኑ ኣሎ።

በዚ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ ንነበርታን በጻሕትን ዝያዳ ሰሓቢት ክትከውን ከም ብሓድሽ ሃኒጽናያ ኣለና ኢለን።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply