ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ብምህናፅ ትልምታት ብልፅግና ጋህዲ ንምግባር ዝግበር ጉዕዞ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ሚኒስትር ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)

You are currently viewing ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ብምህናፅ ትልምታት ብልፅግና ጋህዲ ንምግባር ዝግበር ጉዕዞ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ-ሚኒስትር ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 8 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ብምጥንኻር ትልምታት ብልፅግና ጋህዲ ንምግባር ዝግበር ጉዕዞ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ምንቅስቓስ ስራሕ ኣብ ድሬዳዋ ዝርከብ ፋብሪካ መፍረዪ መኪና ሬድዋ ሞተርስ ተዓዚቦም።

ድሕሪ ዑደቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ብምጥንኻር ትልምታት ብልፅግና ጋህዲ ንምግባር ዝሳለጥ ዘሎ ስራሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ተዛሪቦም።

ኣብ ፋብሪካ መፍረዪ መኪና ሬድዋ ሞተርስ ዝፈርያ ዘለዋ ብተሓዳሲ ሓይሊ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምድሓን ብተወሳኺ ሕፅረት ተሽከርከርቲ ብምፍታሕ ንዕቤት ዓውዲ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዝለዓለ እጃም ኣለወን ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ለውጢ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ዝለዓለ ለውጢ ምምፃእ ከምዝተኽኣለ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ፣ምንቕቓሕ ዕቤት ኢኮኖሚ ብዝሃ ዓውዲ፣ብስራታት ጉባ ሓዊሱ ካልኦት እውን ምንስርራእን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዘቐፅሉ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply