መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ንግዲ ችርቻሮ ንምስፍሕፋሕን ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንምስሓብን ዕድል ፈጢሩ እዩ

You are currently viewing መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ንግዲ ችርቻሮ ንምስፍሕፋሕን ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንምስሓብን ዕድል ፈጢሩ እዩ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 5 ጥሪ 2018 ዓ/ም

እቲ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ንግዲ ችርቻሮ ንምስፍሕፋሕን ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ንምስሓብን ዕድል ከምዝፈጠረ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ግሩፕ ሚድሮክ ኢንቨስትመንት ዝርከብ ኩዊንስ ሱፐርማርኬት ስምምዕ ስያመ ንግዲ ምስ ሙሉእ ኣሰራርሕኡ ንምክፋል(ፍራንቻይዝ)ን ምሕዝነት ቀረብን ምስ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ችርቻሮ ካርፎር (Carrefour) ተፈራሪሙ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሪፎርም መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ።

ኣብቲ መመሓየሺ ንግዲ ችርቻሮ ንዕዳጋ ወፃኢ ክፍቲ ከምዝተገበረ ብምዝኽኻር፤ ነዚ ስዒቡ ዓቕሚ ዘለዎም ትካላት እናመፁ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዘበናዊ ንግዲ ችርቻሮ ምስላጥ ዘኽእሉ ኣሰራርሓታት ከምዝተዘርግሑ ተዛሪቦም።

ፈረንሳዊ ግሩፕ ካርፎር እውን መርኣያ እዚ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ግሩፕ ሚድሮክ እዚ ዕድል ብምጥቃም ንዝገበሮ ፃዕሪ ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ትካላት ዝገበርዎ ስምምዕ ኢትዮጵያውያን ፅሬት ዘለዎም ፍርያታት ንክረኽቡን ፍርያታት ኢትዮጵያ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ንክላለዩን ዕድል ዝፈጥር እዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ 13 ጨንፈራት ሱፐርማርኬት ኩዊንስ ናብ ካርፎር ብራንድ ዝቕየሩ እንትኸውን፤ እቶም ፈላሞት መኽዝናት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ፍርቂ ዓመት 2026 ስራሕ ከምዝጅምሩ ተገሊፁ።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply