መበል 14 ቅነ ከተማዊ ቴክኒክን ሞያን ተኸፊቱ

You are currently viewing መበል 14 ቅነ ከተማዊ ቴክኒክን ሞያን ተኸፊቱ
Spread the love

AMN ትግርኛ 15 ሰነ 2016

ኣብ ማእኸል ኤግዝብሸን ኣዲስ ኣበባ ዝተሰናደየ መበል 14 ቅነከተማዊ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብወግዒ ከፊተንኦ።

እቲ ቅነ ቴክኒክን ሞያን “ቴክኒክን ሞያን ንዘላቒ ልምዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክሳብ 20 ሰነ ከምዝሳለጥ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዓውደ ርእይ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኮሌጃት ቴክኒክን ሞያን፣ ኢንተርፕራይዛት፣ ሰብ ዋና ፈጠራ መናእሰይ ምህርትን ሃገር ለኸ ስራሕትን ንምርኢት ቀሪቦም ።

ኣብቲ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቤት ዕዮ ስራሕን ክእለትን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ፣ ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ኣይተ ሰለሞን ሶካ፣ ፕሬዝዳንት ኣካዳሚ ኣመራርሓ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ጣሰው ገብሬን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተራኺቦም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply