መንግሥቲ መደመር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዕዞ ብልፅግና ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎም ብፅኑዕ ይኣምን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

You are currently viewing መንግሥቲ መደመር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዕዞ ብልፅግና ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎም ብፅኑዕ ይኣምን-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 24 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

መንግሥቲ መደመር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዕዞ ብልፅግና ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎም ብፅኑዕ ከምዝኣምንን ንተግባራዊነቱ እውን እናሰርሐ ከምዝርከብን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሎሚ መዓልቲ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መበል 75 ዓመት ምስረትኡ ኣመልኪቱ ኣብ ዘዳለዎ መድረኽ ዘተ ፅሑፍ ብምቕራብ ተሳቲፈ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ እውን ሙሁራት ኢትዮጵያ ኣብ ኩለ መዳያዊ ሃገራዊ ጉዳያት ዘለዎም እጃም ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፤ ሓሳብ ሓይሊ ለውጢ እዩ፤ ሙሁራን ድማ ወኪላት ለውጢ እዮም።

ሙሁራት ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ዝፈጥርዎ ለውጢ እውን ንሃገር ናብ ብልፅግና ከምዝወስድ ብምሕባር፤ ኣብዚ መዳይ ሙሁራት ሓሳብ ኣኽበርትን ኣፍቀርትን፣ዕሙቕ ተንተንቲ፣ኣንበብቲ፣ፈታሕቲ ፀገምን ኣለሽቲ መፍትሕን ክኾኑ ትፅቢት ከምዝግበረሎም ሓቢሮም።

መንግሥቲ መደመር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሃገራዊ ጉዕዞ ብልፅግና ዘይትካእ እጃም ከምዘለዎም ብፅኑዕ ከምዝኣምንን ንተግባራዊነቱ እውን እናሰርሐ ከምዝርከብን ኣረዲኦም።

እቶም ትካላት ስራሕቲ ምምሃር ምስትምሃር ከምኡ እውን ምርምር ምስ ቴክኖሎጂ ብምንባብ ናብ ፈጠራን ተግባርን ክልውጡ ከምዝግባእ ብምትሕስሳብ፤ እዚ ድማ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብዝተደመረ ዓቕሚ ንምቅልጣፍ ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎ ገሊፆም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply