ሚልዮን ዋጋ ከልቢ

You are currently viewing ሚልዮን ዋጋ ከልቢ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 22 ጥሪ 2018 ዓ/ም

“ሮፕ ዳዲ” ዝተብሃለ ዓሌት ከልቢ ፈረንሳይ ልዕሊ 18 ሚልዮን ቅርሺ ይሽየጥ፡፡

ሮፕ ዳዲ ፍሉይ ዓሌት ከልቢ ፈረንሳይ እንትኸውን ዋግኡ ድማ 120 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ወይ ከዓ ኣስታት 18 ሚልዮንን 600 ቅርሺ እዩ፡፡

እዚ ከልቢ ፍሉይን ብስሕቲ ዝርከብ ዓሌት ከልቢ ፈረንሳይ እንትኸውን በዚ ድማ ዋግኡ ክባር ክኸውን ከምዝኽኣለ ኦዲቲ ሴንትራል ሒዝዎ ዝወፀ ፀብፃብ የረድእ፡፡

ኣብ ዓሌት ኣኽላባት ኣድሂቡ መፅናዕቲ ዘካይድ “ኣሜሪካን ኬነል ክለብ” ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መፅናዕቲ ካብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ጀሚሩ በዝሒ ዓሌት ኣኽላባት ፈረንሳይ ብብርኪ ዓለም ብ 1 ሽሕ ሚኢታዊ ወሲኹ እዩ፡፡

ይኹን እምበር ብቑልጡፍ ተቐባልነት ምርካቦም ግና ኣብ ትኽክለኛ ዓሌቶም ፀገም እናስዐበ ከምዝርከብ ይገልፅ፡፡

እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት መራባሕቲ ኣኽላባት ነቶም ዓሌት ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሮም ቅርፂ ወፃኢ ቀጠንቲን ነዋሕቲን ክኾኑ እናገበረ ይርከብ፡፡

ዓሌት ሮፕ ዳዲ ኣኽላባት ዝኾኑ ቢግ ሮፕ ግና ሓፀርቲ፣ጥንኩራት፣ኣናእሽቲ ኮይኖም ረጎድቲን ትርብዒት ቅርፂ ዘለዎ ርእሲ ዝወነኑን እንትኾኑ ኣዝዮም ተደለይቲ እዮም፡፡

ነዚ ስዒቡ ዋግኦም እውን ክባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ ኣሎ፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply