AMN PLUS -ትግርኛ 06 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
መንግሥቲ መደመር ንዓውዲ ቱሪዝም ብዝሃቦ ትኹረት ኣብታ ከተማ ዝነኣዱ ስፍራታት መስሕብ ብምህናፅ መባፅሒት ዓለም ለኸ ጉባኤታትን ጎብነይትን ንክትኸውን ከምዘኽኣለ ኮሚሽን ቱሪዝም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።
መንግሥቲ መደመር ኣብ ብዝሃ ዓውዲ ዕቤት ኢኮኖሚ ትኹረት ካብ ዝሃቦም ዓውድታት ልምዓት ቱሪዝም እቲ ሓደ እዩ።
ኮሚሽነር ኮሚሽን ቱሪዝም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሁንዴ ከበደ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ መንግሥቲ መደመር ኣብታ ከተማ ዘሎ ዓውዲ ቱሪዝም ብዝለዓለ ኩነታት ንክነቓቓሕ ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ።

ብፍላይ ድማ እቲ ለውጢ ስዒቡ ዝተሃነፁ መሰረተ ልምዓታት ቱሪዝምን ልምዓት ኮሪደርን ንዋና ከተማነት ኣፍሪካን ማእኸልነት ዲፕሎማስን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝምጥን መልክዑ ቅልጡፍ ለውጢ ንክተምፅእ ከምዘኽኣሉ ተዛሪቦም።
ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝተሃነፁ ኣንድነት ፓርክን ካልኦት ፓርክታትን፣ምሕዳስ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ልዑል ዋሕዚ ቱሩዝም ከምዝፈጠሩ ሓቢሮም።
ኣብታ ከተማ ዝተሳለጠ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር ፃንሒት ጎብነይቲ ካብ ምንዋሕ ብተወሳኺ ንዕቤት ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ልዑል ዓቕሚ ከምዝፈጠረ ኣረዲኦም።
ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ዓለም ለኸን ኣህጉራውን ጉባኤታት ዝገብሩ መሰረተ ልምዓታት ከምዝተሃነፁ እውን ገሊፆም።
መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ታሪኽ ዓወትናን ነፃነት ኣፍሪካውያንን ካብ ምዝካር ብተወሳኺ ዓበይቲ ጉባኤታት ዝካየድሉ ስፍራ ኮይኑ እዩ ኢሎም።
ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ እውን ዓለም ለኸ ጉባኤታት፣ኤግዚቢሽኖናትን ካልኦት መርሃ ግብርታትን ብምትእንጋድ ንኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኮንፈረንስ ቱሪዝም ከምዝገበራ ሓቢሮም።