AMN PLUS-ትግርኛ 7 ለካቲት 2018 ዓ/ም
ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ኣማራፅታት ምርግጋፅ ዘተኣማምን ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት መዕርፎ ነፈርቲ ፣ ኣብ ቴሌኮም፣ ኣብ ልምዓት መንገዲ እናሰርሐቶም ዘላ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ጠቒሶም።
ከም ኢትዮጵያ ንዝበላ ብዙሕ በዝሒ ህዝቢ ዘለወን ሃገራት ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ብሰለማዊ መንገዲ ዝረኽባሉ ዕድል ክሰፍሕ ኣለዎ ኢሎም።
ምርግጋፅ ዘተኣማምን ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ጉዳይ ህልውናኣ ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊፆም።
“ ማይ ፍልፍል ባእሲ ዘይኾነስ ንሰላምን ምትሕብባርን ሃገራት ሰረት ዝኾነሉ ሓዱሽ ፖለቲካውን ቑጠባውን ማዕቀፍ ከምዘድልይ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፤ ቑጠባ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ብቕልጡፍ እናዓበዩ ካብ መንጎ ዝርከቡ ዝጥቀስ ምዃኑን እዚ ክቕፅል ንምግባር ‘ውን ሓድነትን ምትሕብባርን ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብዚ ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን፣ ምገባ ቤት ትምህርቲ፣ ሓምለዋይ ዓሻራን ኸተማታት ንምንባር ምችዋት ኣብ ምግባርን መዳይ ዘመዝገበቶም ውፅኢታት ኣብሪሆም።
ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብልሒ ኣፍሪካውያን ዘርእይ ምዃኑ ሓቢሮም፤ ማይ ንዞባዊ ምትእስሳርን ብልፅግናን ውሕስነት ዝኾነሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣድላዪ ምዃኑ ኣረዲኦም።
ኣህጉራዊ ምትሕብባር ብምጥንኻር ንሓባራዊ ዕብየት ምስራሕ ከምዝግባእ ‘ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም።