AMN PLUS -ትግርኛ 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም
ምኽባርችመዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር አፍሊጦም።
ብብርኪ ክልል ኣምሓራ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ደብረብርሃን ይካየድ ኣሎ።
እቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ፤ “ዲሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሔራዊ ሓድነት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሓባር ንምንባር ዝተስማዕምዕሉ እዩ።
እቲ መዓልቲ፤ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባህሎምን ፀጋታቶምን ኣብ ኣደባባይ ወፂኦም ዝገልፅሉ እዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ጠንካራ ሃገር ንምህናፅ ዘኽእል ስርዓት ፌዴራል ንክህሉ ብምግባርን ሕብረ ብሄራዊነት ብምጥንኻርን ህዝብታት ብሓድነት ተኣሳሲሮም ንክነብሩ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ገሊፆም።
መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንፍትሒ፣ማዕርነትን ህንፀት ዲሞክራስን መሰረት ዝተነበረሉ እዩ ክብሉ እውን ሓቢሮም።
ምኽባር መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ዘላቒ ልምዓት ኣብ ምርግጋፅ ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ ኢሎም።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ፋንቱ ተስፋዬ፣ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰአዳ ኣብዱራሕማን፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ኣሲያ ከማል፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድር ከምኡ እውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን እቲ ክልልን ተረኺቦም።