ስራሕቲ ምምዕባል ስርዓት ዕድጊት መንግሥቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ-ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ

You are currently viewing ስራሕቲ ምምዕባል ስርዓት ዕድጊት መንግሥቲ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ይግባእ-ሚኒስትር ኣሕመድ ሽዴ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 5 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ኤሌክትሮኒክ ኣገልግሎት ዕድጊት መንግሥቲ ውፅኢታዊ ንምግባርን ኣጠቓቕማ ንብረት ንምምሕያሽን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብዝበለፀ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግባእ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊጾም።

በዓል መዚ ዕድጊትን ንብረትን መንግሥቲ ምስ ኣብያተ ዕዮ በጀት ፌዴራል ኣብ ኣፈፃፅማ ኤሌክትሮኒክ ስርዓት ዕድጊት እናዘተየ እዩ ዝርከብ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዘበናውን ኤሌክትሮኒክን ዕድጊት ብዝበለፀ ብምጥንኻር ሃፍቲ መንግሥቲ ብኣግባቡ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ።

ስርዓት ዕድጊት ብምምዕባል ብዲጂታል መልክዑ ብምፍፃም ውፅኢታውነቱ ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ልዑል ዕድጊት ዝፍፀም ኣብ ትካላት መንግሥቲ ስለዝኾነ ውስን ዝኾነ ሃፍቲ ሃገር ብኣግባቡ ኣብ ረብሓ ምውዓል ኣድላይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

እቲ ኣዋጅ ዕድጊት ውፅኢታዊ ንምግባር ዲጂታል ኣሰራርሓ ምጥንኻር ካብ ኩሎም ትካላት ትፅቢት ዝግበር ስራሕ እዩ ኢሎም።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ዕድጊትን ንብረትን መንግሥቲ መሰረት መስቀሌ ብግደአን፤ ዘበናውን ፍትሓውን ስርዓት ዕድጊት ንክፍፀም ዘኽእሉ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝርከቡ ተዛሪበን።

እቲ በዓል መዚ ምምሕያሽ ሕጊ፣ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ብምግባር ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ቅልጡፍ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝኾነ ምሕባረን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኤሌክትሮኒክ ዕድጊት ማዕረ ዕድል ንምፍጣር፣ወፃኢ መንግሥቲ ንምቕናስን ግልፅነትን ተሓታትነትን ንምርግጋፅን ከምዘኽእል ኣረዲአን።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply