AMN PLUS-ትግርኛ 8 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወረዳ ሱርማ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ርኽክብ ገይሮም ፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ብቤት ፅሕፈት ክብርቲ ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ወረዳ ሱርማ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ ስነ ስርዓት ርኽክብ እንትንርከብ ኣብ ዕብየት ዘፈር ትምህርቲ እቲ ኸባቢ ዝህልዎ እጃም ዓቢይ ተግባር ብምዃኑ ሓጎስ ይስመዐና።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብቀንዱ ካብቲ ኸባቢ ንዝመፁ ተምሃሮ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ብምዃን ከምዘገልግል እውን ገሊፆም።
ኣብቲ ቀፅሪ ቤት ትምህርቲ መሕደሪ ክፍልታት፣ መምሃሪ ክፍልታት፣ ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሑ እኹላት ኮምፒዩተራት ዘለውዎ ላብራቶሪ ኮምፒዩተር፣ጉድጓድ ፅሩይ ማይ፣ዝተማልአ መብሰሊ ምግቢ ክፍሊ፣ ቤት መፅሓፍቲን ህንፃ ምምሕዳርን ኣማሊኡ ዝተሃነፀ ምዃኑ ኣመላኺቶም።
እዚ ሙሉእነት ዘለዎ ኸባቢ ትምህርቲ ልህቐት ኣካዳሚ ተምሃሮን ድሕንነቶምን ንምርግጋፅ ተሓሲቡሉ ዝተሰርሐ፣ ንመናእሰይ ተምሃሮ ደቅና ኹለ መዳይ ዕብየት ሓዱሽ ዕድል ዝፈጠረ ትካል ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊፆም፡፡