በዓል መዚ ትራፊክ ማኔጅመንት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስራሕቲ ሪፎርም ድሕሪ ምክያዱ ስሉጥ ግልጋሎታት እናሃበ ከምዘሎ ተሓቢሩ

You are currently viewing በዓል መዚ ትራፊክ ማኔጅመንት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስራሕቲ ሪፎርም ድሕሪ ምክያዱ ስሉጥ ግልጋሎታት እናሃበ ከምዘሎ ተሓቢሩ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 08 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

በዓል መዚ ትራፊክ ማኔጅመንት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስራሕቲ ሪፎርም ድሕሪ ምክያዱ ስሉጥ ግልጋሎታት እናሃበ ከምዘሎ ተገልገልቲ ገሊፆም፡፡

እቲ በዓል መዚ ስራሕቱ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ንዝበለፀ ዉፅኢት እናሰርሐ ከምዝርከብ ድማ ሓቢሩ እዩ፡፡

ስራሕቱ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ብምሕጋዝ ንዝበለፀ ዉፅኢት እናሰርሐ ከምዝርከብ በዓል መዚ ትራፊክ ማኔጅመንት ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ፡፡

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብእትዓሞም ልምዓታዊ ስራሕቲ ካብ ግዘ ምስሊ እታ ከተማ እናተቐየረን ንነበርታ እዉን ምችዉቲ እናኾነት ትርከብ፡፡

ብብርኪ ኣብተ ፅሕፈት እዉን ቅድሚ ሕዚ ዝህብዎ ካብ ዝነበረ ብምዝማን ስሉጥ ግልጋልጋሎት ካብ ምሃብ ጀሚሩ ስማርት ከተማነት ኣዲስ ኣበባ ከረጋግፁ ዝኽእሉ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት እናተኣታተዉ ይርከቡ፡፡

ካብ መንጎ እዚኦም ድማ በዓል መዚ ትራፊክ ማኔጅመንት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተፀራሒ እንትኾን ዝህቦም ዘሎ ግልጋሎት ንምዕዛብ ድማ ኣብቲ ቤት ፅሕፈት ተረኺብና ትዕዝብቲ ኣካይድና ኢና፡፡ ኣብ እዋን ትዕዝብትና ዝረኸብናዮም ተገልገልቲ ድማ ቅልጡፍ ግልጋሎት እናተዉሃቦም ከምዘለዉ እዮም ዝገልፁ፡፡

በዓል መዚ ትራፊክ ማኔጅመንት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ብመዳይ ምቕናስ ሓደጋን ምዕሩዉ ኣሰራርሓ ክሰፍን ኣብ ምግባር ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ለዉጥን ሰናይ ምምሕዳርን ኣይተ ሓጎስ ካሕሳይ ይገልፁ፡፡

ሓላፍነት ወሲዱ ካብ ዝሰርሖም 17 ዓዉዲ ስራሕቲ ካብ ክፍላተ ከተማታት ጀሚሩ ክሳብ ግልጋሎት ዝወሃበሎም ተርሚናላትን መፅንሒ መካይንን ሕድሕድ ካሜራ ተገጢሙ ቁፅፅር ከምዝግበር እዮም ኣይተ ሓጎስ ዝሕብሩ፡፡

ፍሰት ትራፊክ ንምስላጥ ምስ ሕብረተሰብ ብምዉዳድን ወለንታዉያን ብምዉፋር ተዋዲድና ኢና ንሰርሕ ዝብሉ ኣይተ ሓጎስ በዚ ድማ ፅቡቕ ዉፅኢት ንክምዝገብ ከምዘኽኣለ ሓቢሮም፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply