ካልኣይ ፀዋታ ፍርቂ ፍፃመ ካራባኦ ካፕ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ቼልሲ ምስ ኣርሰናል ኣብ ስታፎርድ ብሪጅ ዝገብረኦ ፀወታ ለንደን ደርቢ ትፅቢት ይግበረሉ።
ናይ ከተማ ተናሓናሕቲ ዝኾና ኣርሰናልን ቼልሲ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ካራባኦ ካፕ ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ምሸት 5፡00 ክራኸባ ኢየን።
ብሓዱሽ ኣሰልጣኒ ሊያም ሮሲኒኦር እናተመርሐት ናብቲ ፀወታ ትኣቱ ቼልሲ ኣብ ሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ክትፃወት ኢያ።
እንግሊዛዊ ኣሰልጣኒ ኣብ ሳልሳይ ዙር ኤፍ ኤ ካፕ ንቻርልተን 5 ን 1 ምስዓሩ ይዝከር።
ናብ ስታምፎርድ ብሪጅ ብምጉዓዝ ዘካየደቶም ዝሓለፉ 6 ፀወታታት ምንም ስዕረት ዘየተኣናገደት ኣርሰናል ምስ ከሰማያዊት ጋንታ ከቢድ ፈተና ይፅበያ።
ኣብቲ ፀወታ ወሳኒ ተፃዋታይ ጋንታ ቼልሲ ዝኾነ ሞይሰስ ካይሴዶ ሓዊሱ ሮሚዮ ላቪያን ሌቪ ኮልዊልን ከምዘይስለፉ ዝተረጋገፀ እንትኸውን÷ ኮል ፓልመር፣ ሬስ ጄምስን ማሎ ጉስቶን እውን ናይ ምስላፍ ዕድሎም ኣጠራጣሪ ኢዩ።
ብወገን ኣርሰናል ወሳኒ ተፃዋቲ ክፍሊ ምክልኻል ዝኾነ ሪካርዶ ካላፊዮሪ፣ ፒዬሮ ሂንካፔን ሞስኴራን ብጉድኣት ምኽንያት ከምዘይስለፉ ተረጋጊፁ።
ጉዳይ ዊሊያም ሳሊባን ሊያንድሮ ትሮሳርድን እውን ኣይተረጋገፀን።
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ካራባኦ ካፕ ማንቼስተር ሲቲ ንኒውካስል 2 ን 0 ስዒራ።
ኣብ ሴንት ጀምስ ፓርክ ኣብ ዝተካኻየደ ፀወታ፤ ማንቼስተር ሲቲ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ሓዱሽ ፈራሚኣ ኣንትዋን ሴሜኒዮን ራያን ቼርኪን ኣመዝጊቦምወን።