AMN PLUS -ትግርኛ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
ብሓምለዋይ ጉዕዞ ብልፅግና ንወለዶ ምችውቲ ሃገር ናይ ምርካብ ጉዕዞና ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብዓወት እናቐፀለ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ተዛሪቦም።
መበል ካልኣይ ፎረም ዓውደ ርእይ ምንቅስቓስ ቀናሲ ብኽለት(ግሪን ሞቢሊቲ) 2025 ሎሚ መዓልቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬንሽን ኣዲስ ተኸፊቱ።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ብሓምለዋይ ጉዕዞ ብልፅግና ንወለዶ ምችውቲ ሃገር ናይ ምርካብ ጉዕዞ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ብዓወት እናቐፀለ እዩ።

እቲ ዓውደ ርእይን መድረኽን ኢትዮጵያ ተፈጥሮ ንምክሓስን ብኽለት ቀናሲ ኢኮኖሚ ንምህናፅን ንዝጀመረቶ ታሪኻዊ ጉዕዞ መርኣያ እዩ ኢሎም።
እቲ ዓውደ ርእይ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ሓምለዋይ ትራንስፖርት ዝቐርብሉ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ መንግሥቲ፣ሰብ ሃፍትን ሕብረተሰብን ሓባራዊ ግንዛበን ምትሕብባርን ዝፈጥር መድረኽ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ካብ ተቓላዕነት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምውፃእ ከም ሓምለዋይ ኣሰርን ምስፍሕፋሕ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክን ዝበሉ ውፅኢታዊ ስጉምትታት ሓምለዋይ ኣሰር ብመንግሥቲ እናተወሰዱ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ብዘበናውን ሓምለዋይን ትራንስፖርት ንዓለም ንምምራሕ ድልውቲ እያ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ተሓዳሲ ሓይሊ ምስ ዘበናዊ ትራንስፖርት ብምውዳድ ልቀት ካርቦን ብምቕናስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ሓምለዋይ ኢንዱስትሪ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም እናገበርናያ ኢና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።