AMN PLUS -ትግርኛ 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም
ኢትዮጵያ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን መበል 2ይ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚን ተግባራዊ እንትትገብር ንስታትስቲክስ ወሳኒ ዓምዲ ብምግባር እዩ ክብሉ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ገሊፆም።
መበል 19 ኣኼባ ኮሚቴ ዋና ዳይሬክተራት ብሄራዊ ስታትስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ።
ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ስርዓት ስታትስቲክስ ንምምዕባል እንሰርሐት እያ ትርከብ።
ስታትስቲክስ ንዓወት ሃገራውን ኣህጉራውን ኣጀንዳታት ልምዓት ወሳኒ እጃም ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ሰናይ ምምሕዳር ንምርግጋፅን ንሕቶታት ምላሽ ንምሃብን ቀንዲ ዓቕሚ እዩ ኢሎም።
ትኽክለኛን እዋናውን ሓበሬታ እንተዘይሃልዩ ሓንቲ ሃገር ውፅኢታዊ ስትራቴጂታት ልምዓት ምሕንፃፅ ይኹን ተሓታትነት ምርግጋፅ ከምዘይትኽእል እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመትን ዋና ኣጀንዳ ሃገራዊ ሪፎርም ዝኾነ መበል 2ይ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ተግባራዊ ምግባር እንትትጅምር ንስታትስቲክስ ወሳኒ ዓምዲ ብምግባር ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ዓቕሚ ብሔራዊ ስታትስቲክስ ምጥንኻር፣ፅሬት ሓበሬታ ምምሕያሽን ስታትስቲክስ ትኹረታት ልምዓት እታ ሃገር ብቀጥታ ንክመርሕን ናይ ምግባር ዕላማ ዘለዎ ፕሮግራም ስታትስቲክስ ከምዝተዳለወ እውን ተዛሪቦም።
ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘለዋ ተሰማዕነትን ተደማፅነት ኣጀንዳታታን ዝውሰን ብፅሬት ሓበሬታታት ከምዝኾነ ምርዳእ ይግባእ እውን ኢሎም።