ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢንቨስትመንት ንምስፍሕፋሕ ድሌት ከምዘለዋ ረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣመሪካ ገሊፆም

You are currently viewing ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢንቨስትመንት ንምስፍሕፋሕ ድሌት ከምዘለዋ ረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣመሪካ ገሊፆም
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 20 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ኢንቨስትመንት ንምስፍሕፋሕን ንምጥንኻርን ድሌት ከምዘለዋ ረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ክሪስቶፈር ላንዳው ገሊፆም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ክሪስቶፈር ላንዳው ዘትዮም።

እቲ ዘተ፤ ሪፎርማት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ከምኡ እውን እናዓበየ ዝመፀ ሓፈሻዊ ምሕዝነት ኣብ ምጥንኻር ትኩረት ዝገበረ እዩ።

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)ን ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮብ ተካልኝን እውን ኣብቲ ዘተ ተሳቲፎም።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ኣብዚ እዋን፤ ሪፎርማት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ጠንካራ ለውጢ ከምዝተርኣየሎም ሓቢሮም።

ኩነታት ዕቤት ኢኮኖምን ኣብ ቁልፊ ዓውድታት ዘሎ ምህዳር ኢንቨስትመንትን ምምሕያሽ ከምዘርኣየ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ጠንካራ ምሕዝነት ከምዘለወን ብምግላፅ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ኣሜሪካ ንዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ደገፍ ከም ኣብነት ኣልዒሎም።

ኣሜሪካ ንልምዓት ኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ደገፍ እውን ንኢዶም።

ብተወሳኺ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ህንፀቱ ንዝተጀመረ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣመልኪቶም ንረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ክሪስቶፈር ላንዳው ገለፃ ገይሮምሎም።

እቲ መዕርፎ ነፈርቲ፤ ንዕቤት፣ዞባዊ ምትእስሳርን ምቅልጣፍ ንግድን ዘለዎ ስትራቴጂካዊ እጃም ብምብርህራህ፤ ትካላት ፋይናንስ ኣሜሪካ ነዚ ፕሮጀክት ንክድግፉ ሓቲቶም።

ረዳት ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ክሪስቶፈር ላንዳው ብግደኦም፤ ንሪፎርማት ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምንኣድ ኣሜሪካ ኣብ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለዋ ተሳትፎ ንምዕባይ ድሌት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዘለዋ ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም።

ክልቲኦም ወገናት ምሕዝነት ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ንምጥንኻር፣ተሳትፎ ዓውዲ ውልቀ ንምዕባይን ዘላቒ ልምዓት ኢኮኖሚ ንምድጋፍን ሓባራዊ ቆራፅነቶም ምግላፆም ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply