ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ፣ ኣፅዋርን መሰረተ ልምዓት ውግእን ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ – ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ

You are currently viewing ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ፣ ኣፅዋርን መሰረተ ልምዓት ውግእን ብዙሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ – ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 19 ጥሪ 2018 ዓ/ም

መበል 90 ዓመት ፅምብል ምስረታ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ስዒቡ፡ ኣካዳሚ ሓይሊ ኣየር ሎሚ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝሰልጠኑ ኣብረርትን ሰብ ሞያን ኣመሪቑ።

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ተምሃሮ ኣካዳሚ ሓይሊ ኣየር ተረኺቦም፡ ፀብለልታ ን ዘመዝገቡ ተማሃሮ በረራ ቀዳማይ ዓመት ምልክት ማእገር ብምልባስ እንኳዕ ኣሕጎሰኩም ኢሎም።

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ ኣብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ኣብ ህንፀት ሓይሊ ሰብ፣ ኣፅዋርን ህንፀት መሰረተ ልምዓት ውግእን ዓብዪ ምድላዋት ብምግባር ዓቕምና ናብ ዝለዓለ ብርኪ እናተሰጋገረ ፀኒሑ እዩ ኢሎም ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብልዑልነቱ ቀልጢፉ ዓወት ከምዝዓትር ዘመስከረ ሓይሊ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ህሉው ዝቕየር ዘሎ ኩነታት ዓለም ብምርዳእን ብዝዓበየ ጅግንነት ውግኣት ብምክያድ ክሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክሕሉን ልዕልና ኣየር ከረጋግፅን ዝኽእል ብሉፅ ትካል ኮይኑ ይህነፅ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ነቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ንፈለማ እዋን ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብረርቲ ስልጠና በረራአን ብዝለዓለ ውጽኢት ምዝዛመን፡ ደቂ ኣንስትዮ ንዝኾነ በዳሂ ኩነታት ሰጊረን ማዕረ ምስ ደቂ ተባዕትዮ ዓበይቲ ዓወታት ናይ ምምዝጋብ ዓቕሚ ከምዘለወን ዘረጋገጻ እዩ ኢሎም።

ሌተናል ጀነራል ይልማ መርዳሳ እቶም ተመረቕቲ ብስልጠና ዘማዕበልዎ ዓቕምታት ተጠቒሞም ኣብ ዕውትነት እቲ ትካል እጃሞም ከበርክቱ ኣተሓሳሲቦም ክብል ኦንላይን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናብ ኤኤምኤን ሚድያ ዝተለኣኾ ሓበሬታ የረድእ።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply