ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ምኽክር ካብ መዳርግቲ ኣካላት ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

You are currently viewing ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ምኽክር ካብ መዳርግቲ ኣካላት ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር?
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 20 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዘመናት ኣብ ሞንጎ ፖለቲካውን ስነ-ሓሳባውን መራሕቲ፣ኣብ ሞንጎ መንግስትን ሕብረተሰብን ክንከባለል ዝጸንሐ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን ዘይምርድዳእን ንምፍታሕ ዝተመስረተ ነጻን ዘይሻራውን ትካል እዩ፤ በዚ መሰረት እዚ ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ኣብ 11 ክልላት፣ 2 ምምሕዳር ከተማታት፣ መዳርግቲ ኣካላት ፌደራል ፣ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣጀንዳታት ኣኪቡ እዩ።

በዚ መሰረት እቲ ኮሚሽን ኣብ ክልል ትግራይ ከምቲ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ሃገርና ዝገበሮ ናይ ምምኽኻር መስርሕ ንምክያድ ድልው ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ገሊፁ እዩ። ምስዚ ምድላው ተተሓሒዙ እቲ ኮሚሽን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ትግራይ ሃናፂ ርክባት ክምስርት ፀኒሑ እዩ።

ስለዚ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብቲ ክልል ንዝካየድ ናይ ምምኽኻር ስራሕቲ ሓላፍነት ክወስዱን ሃገራዊ መስርሕ ምምኽኻር ብዓወት ንኽዛዘም ኣበርክቶ ክገብሩን እቲ ኮሚሽን ይፅውዕ።

1. ህዝባውነት ምቕዳም :-

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ ሲቪክ ውዳበታት፣ መራሕቲ ማሕበረሰብ፣ ሚድያታት፣ ፀለውቲ ውልቀሰባት ወዘተ፣ እቲ ሃገራዊ ምኽክር፣ ልዕሊ ኹሉ፣ ኢትዮጵያውያን ብዛዕባ መፃኢ ተስፋኦም ዝዝትዩሉ መድረኽ ምዃኑ ክርድኡ ይግባእ። እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣካላትን ካልኦት ወሰንቲ መዳርግቲ ኣካላትን፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሃገራዊ ምምኽኻር ዘበርከትዎ ኣበርክቶ እናኣመስገነ፡ ነቲ መስርሕ ክድግፉን ኣብ ማሕበረሰቦም ተመሳሳሊ ርድኢት ከስርጹን ይግባእ።

2. ናይቲ መስርሕ ዋንነት ምክፋል:-

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተፈላለየ ብርኪ ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላት ነቲ ሕብረተሰብ ኣብቲ መስርሕ ሓያል ናይ ዋንነት ስምዒት ክስምዖ ናይ ትምህርትን ግንዛበን ስራሕቲ ከካይዱ ትፅቢት ይግበር። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከይዲ ብግቡእ ድምፁ ከስምዕ ዘይምኽኣሉ ዘስዕቦ ሳዕቤን ብቐሊሉ ክረአ የብሉን፤ ከምኡ’ውን ከምዚ ዝኣመሰለ ክፍተት ምስ ዕላማ መስርሕ ሃገራዊ ምኽክር ዝጓነፅ ብምዃኑ ብዕምቆትን ብጥንቃቐን ክረአ ይግባእ።

3. ኣብ ሞራል ዝተመርኮሰ ኣንፈታት ምምልካት:-

ሃይማኖታዊ ትካላት፣ ምሁራትን ሚድያን ከም ሕልና ሕብረተሰብ ኮይኖም ከምዘገልግሉ ይፍለጥ። ስለዚ እዘን ትካላት እዚአን መሰረት ብምግባር እቲ ሃገራዊ ምኽክር ናይ ሓደ ግዜ ፍፃመ ዘይኮነስ ናብ ዘላቒ ምርድዳእን ሰላምን ዝወስድ መንገዲ ምዃኑ ኣንፈት ብምርኣይ ሕብረተሰብ ምስ ካልኦት ውድባት ንኢትዮጵያ ዘላቒ መፍትሒ ንከመንጭው ከኽእላ ይግባእ።

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply