ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጃፓንን ዘሎ ምትእስሳር ንግድን ኢንቨስትመንትን እናተመሓየሸ ምምፅኡ ተገሊፁ

You are currently viewing ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጃፓንን ዘሎ ምትእስሳር ንግድን ኢንቨስትመንትን እናተመሓየሸ ምምፅኡ ተገሊፁ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 4 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዴዎን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ብሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ኩኒሚትሱ ኣያኖ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ክልተኣውን ብዙሕነታውን መድረኻት ታሪኻዊ ምትእስሳርን ጥንኩር ምትሕብባርን ከምዘለወን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ጌዴዎን (ዶክተር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ጃፓን ንኢትዮጵያ ንዝገበረቶ ልምዓታዊ ደገፍ ምስጋናኦም ገሊፆም።

ዶክተር ጌዴዎን ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብፍላይ ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን እናተመሓየሸ ይኸይድ ከምዘሎን ዝያዳ ክጠናኸር ከምዘለዎን ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓን ኩኒሚትሱ ኣያኖ ብወገነን ኢትዮጵያን ጃፓንን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዘለወን ርክብ ኣጠናኺረን ክቕፅላ ከምዘለወን ኣረዲአን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዶክተር ጌዴዎን በተን ሚኒስትር ዲኤታ ዝምራሕ ካብ ልዕሊ 35 ኩባንያታት ጃፓን ዝተውፃእፅኡ 48 ልኡኻት ቢዝነስ ንግዲ ዝሓቖፈ ጉጅለ ብዛዕባ ሓድሽን ምችውን ዕድላት ንግድን ኢንቨስትመንትን ኢትዮጵያ ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ብተወሳኺ እተን ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘሎ ናይ ኢንቨስትመንት ዕድላት ክሳተፉ ጸዊዖም።

ሚኒስትር ዲኤታ ኩኒሚትሱ ኣያኖ ብወገነን ነቲ መብርሂ ዝሃቡ ብምምስጋን ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ጃፓን ከምዝሳተፉ ገሊፀን።

እቲ ፎረም ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልዑል ረብሓ ክህልዎ ትፅቢት ከምዝግበር ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply