ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ህንፀት “ዋይልድ ሳፋሪ” ይካየድ ኣሎ

You are currently viewing ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ ህንፀት “ዋይልድ ሳፋሪ” ይካየድ ኣሎ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 5 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዓይነቱ ፈላማይ ዝኾነ “ዋይልድ ሳፋሪ”(Wild Safari) ህንፀት ይካየድ ከምዘሎ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ገሊፀን።

ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ “ትንሳኤ ሩባታት ኣዲስ ኣበባ”ብዝብል ኣብ ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየዱ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ብዝምልከት መብርሂ ሂበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ናይ ከተማ “ዋይልድ ሳፋሪ” ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይስራሕ ኣሎ።

ኣዲስ ኣበባ ብኸምዚ ደረጃ ናይ ከተማ ዋይልድ ሳፋሪ ክትሃንጽ እንተኽኢላ ከተማታት ክልል፣ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታተን ተመርኲሰን ዝሓሸ ስራሕ ንኽሰርሓ ዓቢ ዕድልን ምትብባዕን ከምዝፈጥር እተን ከንቲባ ኣብ ዑደተን ገሊጸን።

እዚ ዓቢይ ፕሮጀክት ዋይልድ ሳፋሪ ኣካል ልምዓት ሩባታት ክፍሊ ሽዱሽተ ኮይኑ ኣብ 55 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ እዩ።

ልዕሊ 200 እንስሳ ዘገዳም ናብቲ ሳፋሪ ንምእታው ብዓቢ ትኹረት እናተሰርሐ ምኳኑ እውን ገሊፀን።

እቲ ፓርክ ልዕሊ 100 ዓመት ዝዕድሚኦም ጥንታውያን ኣግራብ ዝነብረሉ ኮይኑ፡ ንእንስሳታት ዘገዳም ምቹእ መንበርን ንበጻሕቲ ሰሓቢ መዘናግዒ ቦታን ንኽኸውን ኾይኑ ይህነፅ ኣሎ፡፡

ብተወሳኺ እቶም ዝተጀመሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ክኾኑ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎን፣ መሳለጥያታት ከተማ ዝተዋደዱን ዓቕሞም ብምዕባይን ፅሬት ዘለዎ ግልጋሎት ንምሃብ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ እውን እተን ከንቲባ ገሊፀን።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply