ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ህንፀት ስማርት ሲቲ ኣዲስ ኣበባ ጋህዲ እናኾነ እዩ

You are currently viewing ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ህንፀት ስማርት ሲቲ ኣዲስ ኣበባ ጋህዲ እናኾነ እዩ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 17 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ህንፀት ስማርት ሲቲ ኣዲስ ኣበባ ጋህዲ እናኾነ ምዃኑ ተገሊፁ።

ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ብምዕባይ ሃገርና ተጠቃሚት ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምግባር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዕላዊ ዝተገበረ ስትራቴጂ”ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030″ ፣ ህንፀት ስማርት ሲቲ ኣዲስ ኣበባ ጋህዲ ንምግባር ዓቢይ ሓገዝ እናገበረ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ቢሮ ልምዓት ኢኖቬሸንን ቴክኖሎጂን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዘፍለጦ፣እቲ ስትራቴጂን ህንፀት ስማርት ሲቲ እታ ከተማን ተዋዲዶም እናተተግበሩ ይርከቡ።

መራሒ ጉጅለ ሬጉላቶሪን ምድላውን ስታንዳርድ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ ኣይተ ዮናስ ደምሰው ንኤ ኤም ኤን ዲጂታል ከምዝበልዎ፣እቲ ትልሚ ብቀንዱ መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ተበፃሒ ምግባር፣ ተጠቃምነት ዲጂታል ዜጋታት ምርግጋፅን ኣብ ሞንጎ ህዝብን መንግስትን ዘሎ ርክብ ብዘመናዊ ስርዓት ኣብ ምጥንኻር እዩ ዘተኩር ኢሎም።

ነዚ መርኣያ ዝኸውን ኣብ ልምዓት ኮሪደር ዝተገጠሙ ዘመናዊ ዓንድታት ኤሌክትሪክ እንትኾኑ፣ እዚኣቶም ኣገልግሎታት ኢንተርኔት፣ ሲሲቲቪ ካሜራን 5ጂ ኔትዎርክን ብሓንሳብ ዝሓዙ እዮም።

ኣብ ኣወሃህባ አገልግሎት እውን ስርዓት ዘመናዊ አገልግሎት ሓደ ማእኸል “መሶብ” ምዝርግሖም ጉዕዞ ስማርት ሲቲ እታ ከተማ እናፋጠኑ ይርከቡ።

ካብዚ ብዝሓለፈ ከም”ኢትዮ-ኮደርስ” ዝኣመሰሉ ስልጠናታት ዜጋታት ኣብ ዓለም ለኸ ዕድጋ ተወዳዳሪ ኮይኖም ንናይ ወፃኢ ትካላት ብምስራሕ ሸርፊ ወፃኢ ንከርክቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply