AMN PLUS-ትግርኛ 22 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝሳተፉ ኣጋይሽ ዝለዓለ ኣገልግሎት ንምቕራብ ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽነር ኮሚሽን ቱሪዝም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሁንዴ ከበደ ኣፍሊጦም።
እቶም ኮሚሽነር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓመት ክሳብ 150 ዝኾኑ ዞባዊ፣ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ብዓወት ናይ ምትእንጋድ ዓቕምን ልምድን ከምዘለዋ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ንዝመፁ ኣጋይሽ ምችውን ቅልጡፍን ኣገልግሎት ንክረኽቡ ምድላው ከምዝተዛዘመ ኣረጋጊፆም።

ተሳተፍቲ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ስፍራታት ቱሪዝም እታ ከተማ ዝጉብንይሉ ዕድል ብምፍጣር እዋን ፃንሒቶም ንምንዋሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምድላው ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።
ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ መራሕቲ ሃገራት፣ፅልዋ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት፣ሓለፍቲ ስራሕ ትካላትን ዕዱማት ኣጋይሽን እውን ምስሊ ሃገር ንዓለም ብኣግባቡ ንክገልፁ ዓብይ ዕድል እዩ ክብሉ ምግላፆም ሓበሬታ ግዜኢ የረድእ።
እቲ ጉባኤ፤ “ምርግጋፅ ዘላቒ ቀረብን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓት ኣተሓላልዋ ፅሬትን ማይ፤ ንዕዉትነት ሽቶታት ኣጀንዳ 2063” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 7 ክሳብ 8 ለካቲት 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።