ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ኣብ ዕውትነት ፕሮጀክትታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ልዑል ግደ እናተፃወተ ምኳኑ ተሓቢሩ

You are currently viewing ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ኣብ ዕውትነት ፕሮጀክትታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ልዑል ግደ እናተፃወተ ምኳኑ ተሓቢሩ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 4 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ቀዋሚ ኮሚቴ ፍትሕን ሰናይ ምምሕዳርን ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፤ “ድምፂ ወለዶ” ዝኾነ ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ህዝብን መንግስትን ብሓበሬታ ኣብ ምትእስሳርን ፕሮጀክትታት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዕዉታት ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ ገሊፆም።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ቐሪብሉ ገምጊሙ።

ኣብታ ከተማ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምምሕያሽ ሰናይ ምምሕዳር፣ ኣወሃህባ ግልጋሎት፣ ምርግጋእ ዕዳጋ፣ ከምኡ እውን ልምዓታዊ ፕሮጀክትታት ብምክትታል ኣድላዪ ሓበሬታ ንህዝቢ ኣብ ምሃብ ሃናፂ ግደ ከምዝተፃወተ ገሊፁ።

ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ምፍታሕን ምስ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ሰናይ ምምሕዳር ጥርዓናት ህዝቢ ኣብ ምፍታሕን ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣብሪሁ።

እቲ ሚድያ “24/7” ዝብል ናይ ስራሕ ባህሊ ከስርጽ ዝጀመሮ ለውጥታት ኣረኣእያ ሓበራዊ ተረኽ ኣብ ምህናጽን እናሰርሐ ምምፅኡን ርኡይ ለውጢ እናመዝገበ ምኳኑን ተሓቢሩ።

ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብትሕዝቶን ኣቀራርባን ተወዳዳሪ ኮይኑ እዩ ዝበለ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ፤ እቲ ትካል ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሪፎርም ካብ ምትግባር ጎናጎኒ፡ ኣብ ኣንፈታት ልምዓት መንግስቲ መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ መደባት ክነድፍን ከተግብርን ጸኒሑ እዩ።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply