ኣዲስ ኣበባ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይን ዝተዛብዐ ሓበሬታ ብምንካይን ምክልኻል ገበንን ምንቅስቓስ ፀጥታን ንምምሕያሽ ምስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ።

You are currently viewing ኣዲስ ኣበባ ንቕሓት ህዝቢ ንምዕባይን ዝተዛብዐ ሓበሬታ ብምንካይን ምክልኻል ገበንን ምንቅስቓስ ፀጥታን ንምምሕያሽ ምስራሕ ከምዝግባእ ተገሊፁ።
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 12 ለካቲት 2018 ዓ/ም

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝምዝገብ ዘሎ ቅልጡፍ ዕብየት ስራሕቲ ምክልኻል ገበንን ድሕንነትን ምምሕያሽ ከምዝግባእ ሓላፊት ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ሊድያ ግርማ ኣብሪሀን።

ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክን ብሓባር ምስራሕ ዘኽእሎም ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ሓላፊት ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ሊድያ ግርማ ኣብታ ከተማ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ንምቕፃልን ስራሕቲ ምክልኻል ገበን ንምቅልጣፍን እዚ ስምምዕነት ሕብረተሰብ ንምትሕብባር ከምዝሕግዝ ገሊፀን።

እቲ ስምምዕነት ህዝባዊ ምርድዳእን ተሳትፎን ንምዕባይን ኣብ ከተማና ዝካየድ ንጥፈታት ሰላምን ድሕንነትን ሓበሬታ ንምእካብን ዝሕግዝ እዩ ኢለን።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ኣቶ ካሳሁን ጎንፋ ብወገኖም ከተማ ኣዲስ ኣበባ በብመዓልቱ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ተቐባልነት እናረኸበት ትርከብ ብምባል እዚ ድማ ካብ ስራሕቲ ልምዓት ብተወሳኺ ዘተኣማምን ሰላም ኣብ ምውሓስ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ እዩ ኢሎም ።

ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ድምፂ ወለዶ ብምዃን፣ብ24ን 7ን ብ5 ቋንቋት ውሽጢ ዓድን ክልተ ዓለም ለኸ ቋንቋታትን ሓበሬታ ንህዝቢ እናብፀሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣዲስ ሚድያ ኔትወርክ ምስ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕነት ምፍርራሙ ንሕብረተሰብ ኣብ ዘመሓላልፎም መደባቱ ሰላም ሕብረተሰብ ንምውሓስ እጃሙ ንምውፃእ ከምዝሕግዞ ኣብሪሆም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply