AMN PLUS-ትግርኛ 7 ለካቲት 2018 ዓ/ም
ኣፍሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ዝግበኣ ውክልናን ፍትሓዊ ተጠቃምነትን ንክትረክብ ዋና ፀሓፊ ውዱብ ሕቡራት መንግስትታት አንቶኒዮ ጉተሬዝ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ህዝብታት ኣፍሪካ ካብ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ እታ ኣህጉር ግቡእ ረብሓ ክረኽቡ ከምዘለዎም እቶም ዋና ፀሓፊ ገሊፆም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ መደረ ዝገበሩ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣፍሪካ ብዝግብኦ ልክዕ ንህዝብታት እታ ኣህጉር ረብሓ ንክህብ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።
ብፍላይ ወሰንቲ ካብ ዝኾኑ ሃፍትታት መዓድን እታ ኣህጉር ኣፍሪካውያን ብማዕርነት፣ ፍትሓውነትን ቐፃልነት ብዘለዎ መልክዕን ተረባሕቲ ምዃኖም ምርግጋፅ ከምዝግባእ ሓቢሮም።
እታ ኣህጉር ተሓዳሲ ሓይሊ ብምስፍሕፋሕ ተበፃሕነት ኤሌክትሪክ ንምርግጋፅ ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ጥንኩር ድጋፍ ክገብር ከምዝግባእ እቶም ዋና ፀሓፊ ኣተሓሳሲቦም።
ሃፍቲ ኣፍሪካ ንዕብየት ኣፍሪካውያን ዋልታ ክኸውን ከምዝግባእ ‘ውን ኣመላኺቶም።