AMN PLUS -ትግርኛ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
ኤጀንሲ ምምሕዳርን ልምዓትን መስርሒ ቦታ ኣዲስ ኣበባ ዝህቦም ኣገልግሎታት ብዘመናዊ መንገዲ ንምሃብ ዘኽእሎ ቴክኖሎጂ ዕላዊ ገይሩ።
ኤጀንሲ ምምሕዳርን ልምዓትን መስርሒ ቦታ ኣዲስ ኣበባ ንኢንተርፕራይዛት መስርሒ ቦታ ብምምችቻውን ብምልማዕን ኣገልግሎት እናሃበ ይርከብ።
ብምዃኑ ድማ ኢንተርፕራይዛት ኣብ ዘለውዎ ኮይኖም ሓበሬታን አገልግሎትን ንክረኽቡ ዘኽእል ቴክኖሎጂ ናብ ስራሕ ኣትዩ።
እቲ ቴክኖሎጂ ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘሕለፉ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባሓላፊ ቢሮ ሰብ ሃፍትን ፐብሊክ ሰርቪስን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጀማሉ ጀምበር (ዶ/ር)፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምዕባይን ምዝማንን ትካላትን ከተማታትን ዝውሰን ብኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ጉዕዞ ዲጅታል ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣገልግሎት ውሃብቲ ትካላት ምስ ኣወሃህባ ግልጋሎታት ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ሕቶታት ብምቕራፍ ኣወሃህባ ግልጋሎት ንምዝማን እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣብ ቐፃሊ ትካላት ኣሰራርሓኦም ብቴክኖሎጂ ንክድገፍ ክስራሕ እዩ ዝበሉ ጀማሉ ጀምበር (ዶ/ር)፤ምስ መስርሒ ቦታ ተተሓሒዞም ዝለዓሉ ቅሬታትት ከምኡ እውን መስርሒ ቦታታት ምፍላይ ምቁፅፃር እዋን ግልጋሎቶምን ስራሕቲ ከምዝጠናኸር ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኤጀንሲ ምምሕዳርን ልምዓትን መስርሒ ቦታ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ አይዳ አወል ብወገነን፤እቲ ቴክኖሎጂ ዕግበት ተገልገልቲ ዘረጋግፅን ጉዕዞ ስማርት ሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘቀላጥፍን ምዃኑ ተዛሪበን።
ብፍላይ ተገልጋሊ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ኣገልግሎት ብምርካብ ብኽነት ግዜ ዝቕንስን ኣድላይ ሓበሬታ ኣብ ሓፂር እዋን ዘብፅሕን ምዃኑ ገሊፀን።