AMN PLUS-ትግርኛ 19 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ከንቲባ አዳነች አቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዝመሓላለፍኦ መልእኽቲ ምስ ሚኒስተር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ብምዃን፣ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ክፍለ ከተማ አቃቂ ቃሊቲ ዘህነፆ ዘመናዊ መዝሐልን ኹለ መዳይ ህንፃን ኣትክልትን ፍረምረን፣ ውፅኢት እንስሳትን ብዕሊ ኣመሪቕና ስራሕ ኣጀሚርና ኢለን።
እዚ ኣብ ልዕሊ 11 ሺሕን 400 ካሬ ሜትር ዝዓረፈ ብግዝፈቱ ኣብ ሃገርና ፈላማይ ዝኾነ ዘመናዊ መዝሐልን ኹለ መዳይ ህንፃን ኣትክልትን ፍረምረን፣ ውፅኢት እንስሳትን ድሕሪ ምህርቲ ዝፍጠር ብኽነትን ብኽለትን ብምትራፍ፣ ምርግጋዕ ዕዳጋ ብምፍጣር ከምኡ እውን ኣፍረይቲ ዘፍርይዎም ኣትክልትን ፍራምረን ከምኡ እውን ውፅኢት እንስሳት ተፈጥሮኣዊ ትሕዝቶኦም ሓልዮም ንሸማታይ ማሕበረሰብን ንዕዳጋ ወፃእን ንክቐርቡ ኣብ ምግባር ዕዙዝ ረብሓ ክህልዎ እዩ።
ብተወሳኺ ሸማታይ ማሕበረሰብ ብግቡእ ዋጋ ትኩስ ምህርቲ ሕርሻ ንክረክብ ዘኽእል እንትኸውን፤ ተጠቃምነት ሓረስቶት ንምርግጋፅን ሰንሰለት ዕዳጋ ኣብ ምሕፃር ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ።
ምምሕዳርና እዚ ንፅፈት ምህርቲ ሕርሻን ተወዳዳራይነትን ኣድላይ ዝኾነ ፕሮጀክት ጋህዲ ንክኸውን ኣድላይ ትሕዝቶ ብምቕራብ ዝገበሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ፤ እዚ ድማ ኣብቲ ዘፈር ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነት ሃገርና ዘዕቢ ዓቢይ ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎ ፕሮጀክት ጋህዲ ንክኸውን ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያን ትካላትን ኹሎም እንኳዕ ደስ በለኩም ክብላ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን ፡፡