ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ብምኽንያት በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን

You are currently viewing ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ ብምኽንያት በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 8 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ብምኽንያት በዓል ጥምቀት ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዘመሓላለፋ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ፡ ጥምቀት ኣብ ክርስትያን ናይ ምግላጽን ዕርቂን ዳግማይ ልደትን ምልክት ምዃኑ ገሊፀን።

ኣብ ሃገርና ካብ ዘለው ህዝባዊ በዓላት ሓደ ዝኾነ ጥምቀት ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታትና ዘጉልህ ካብ ምኳኑ ብዝሓለፈ፣ ኣብ ዓለም ከም ዘይድህሰሱ ሓድግታት ዝተመዝገበ፣ ብዙሓት ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዝስሕብ፣ ውቁብ ምስሊ ሃገርና ንዓለም ዘላልይ ህያው በዓል ምዃኑ ሓቢረን።

“እዚ ውቁብን ህያውን በዓል ብዘይካ’ቲ ሃይማኖታዊ ስርዓታቱ፡ ባህልና፡ ቋንቋና፡ ሙዚቃና፡ ሃገራዊ ሓድነትና ኣብ ኣደባባይ ብ እንርእየሉ ፣ ባህሊ ኣቀባብላ ኣጋይሽ፡ ሃይማኖታዊ ስርዓታት፡ ክብርታት ኢትዮጵያ ብምዕቃብን ብምኽባርን ሃገርና ብዝያዳ ንዓለም ክነፋልጠሉ ኢና” ክብላ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply