ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ ጃፓን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኢንቨስተራትን ክልቲአን ሃገራት ብምስታፍ እናተኻየደ ይርከብ።
እዚ ፎረም ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሽግግር ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቴክኖሎጂን ንምጥንኻር ኣገዳሲ መድረኽ እዩ።
እቲ ፎረም ብፍላይ ኩባንያታት ጃፓን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዕድላት ኢንቨስትመንት ንክሳተፉ በሪ ዝኸፍት እዩ ተባሂሉ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ፎረም መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምምሕዳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ተግባራዊ ዝገበረቶ መመሓየሺ ኢኮኖሚ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹው ስነ ምህዳር ኢንቨስትመንት ፈጢሩ እዩ ኢሎም ፡፡
ምትግባር መመሓየሺ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ምፍራይ፣ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ሕርሻ፣ መዓድን፣ ኣገልግሎትን ካልኦትን ምቹው ዕድላት ኢንቨስትመንት ፈጢሩ ኢዩ ዝበሉ ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥መንግስቲ ተግባራዊ ብዝገበሮ ልዑል ሃገራዊ መመሓየሺ ቁጠባዊ ሃፍቲ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምቹው ስነ ምህዳር ካብ ምፍጣር ሓለፉ ንኢትዮጵያ ቀዳመይቲ መብፅሒት ኢንቨስትመንት እናገበራ ከምዝመፅአ ኣብሪሆም።
ስምምዕነት ነፆ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪካ ሓዊሱ ካልኦት ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ስምምዓት ንግዲ ምትግባራ ፍሰት ንግዲን ኢንቨስትመንትን ክሳለጥ ኣብ ምግባር ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ልዑል ምትእስሳር ዕዳጋ ከምዝፈጥር ኣብሪሆም።