ክብደት መነከይ መድሓኒት

You are currently viewing ክብደት መነከይ መድሓኒት
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 5 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ምምሕዳር ምግብን መድሃኒትን ኣሜሪካ ዋጎቪ ንዝተብሃለ መድሓኒት ኣፍልጦ ሂቡ፡፡

ምምሕዳር ምግብን መድሓኒትን ኣሜሪካ (ኤፍ ዲ ኤ) መነከይ ክብደት ዝኾነ ዋጎቪ ዝተብሃለ ከኒና ኣፍልጦ ምሃቡ ስዒቡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣሜሪካ ብስፍሓት ኣብ ረብሓ ይውዕል ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ ሄልዝላይን ፀብፂቡ፡፡

በዚ እውን GLP 1 ዝብል መለለይ ዘለዎ ዓይነት ከኒና ኣብ ኣሜሪካ ልዕሊ ዓቐን ክብደት ንዘለዎም ሰባት ኣብ ረብሓ ክውዕል ሙሉእ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ፡፡

መፍረይ እቲ መድሃኒት ዝኾነ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን ንመጀመሪ ዝኸውን 1.5 ሚሊ ግራም ከኒናታት ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ጥዕናን ፋርማሲታትን ምርካብ ከምዝክኣል ኣፍሊጡ፡፡

ካልእ መጠን ዘለዎም ከኒናታት ድማ ቀፂሎም ናብ ማእኸላት ግልጋሎት ጥዕና ከምዝመፁ እውን በቲ ትካል ተገሊፁ እዩ፡፡

ከም ፀብፃብ እቲ ፍልፍል ከኒና ዋጎቪ 16 ሚኢታዊ ክብደት ሰብነት ዝንክይ እንትኸውን ነዚ ለውጢ ንምምፃእ ድማ ኣስታት ሓደ ዓመትን ሰለስተ ሰሙንን ይወስድ፡፡

ዋጎቪ ካብዚ ብተወሳኺ ብመልክዕ መርፍእ ክውሃብ ንዝፀንሐ መድሓት መነከይ ክብደት ዘትረፈ ከኒና እዩ፡፡

ሰብ ሞያ ጥዕና ኣብ ዛዕባ እቲ ከኒና ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ GLP-1 ክብደት ኣብ ምንካይ ርኡይ ለውጢ ከምፅእ እንተኾይኑ ዝተመጣጠነ ኣመጋግባን ስፖርታዊ ምንቅስቓስን ኣድላይ እዩ፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply