ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሞገስ ባልቻ ገሊፆም።
ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ልዕሊ 200 ብስድራቤት ዝተወደቡ ኢንተርፕራይዛት ናይ እንቋቁሖ ደርሁ ርኽክብ ተገይሩ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ሞገስ ባልቻ ኣብቲ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ መደብ ንዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ቁጠባዊ ተጠቃምነት ዘረጋግፅን ምዃኑ ገሊፆም።
ካብቲ መርሃ ግብሪ ተረባሕቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ኣእምሮኦም ኣብ ስራሕ ብምውፋር ንኻልኦት ኣርኣያ ክኾኑ ኣተሓሳሲቦም።
ተጠቀምቲ እቲ ፕሮግራም ብወገኖም ቀለብ ከጂና ደርሆ ብግቡእ ብምጥቃም ነቲ ዝረኽብዎ ረብሓ ናብ ሕብረተሰብ ከቕርቡ ድልዋት ከምዝኾኑ ሓቢሮም።