ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር ክኸውን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

You are currently viewing ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር ክኸውን እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 2 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር ክኸውን እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ቅልጡፍ ዕቤት ትራንስፖርት ኣየር ኢትዮጵያን እናሰፍሐ ዝመፀ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዓለም ለኸ ምትእስሳር ዘላቒ ንምግባር ከባቢ 25 ሚልዮን መንገደኛታት ብዓመት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ካብ ዘለዎ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብተወሳኺ ሓዱሽ ሜጋ ጣብያ እናለምዐ እዩ ዝርከብ።

እዚ ዝተፈላለዩ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ምህናፅ ስትራቴጂ ኢትዮጵያ ግንባር ቀደም በሪ ትራንስፖርት ኣየር ቀፃሊት ኣፍሪካ ንምግባር ዝዓለመ እዩ ኢሎም።

ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ እቲ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር ከምዝኸውን እውን ኣረዲኦም።

እዚ ድማ ምስ ሃገራዊ ሪፎርም ኢኮኖሚ፣ኣጀንዳ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትርን ስትራቴጂ ነዊሕ ዘበን ኣቪዬሽንን ኢትዮጵያ ዝተናበበ ክብሉ ፀሪሖም።

እቲ ፕሮጀክት ንዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብ ማዕቐፍ AfCFTA ንኣፍሪካ ናይ ምርኻብ ዓቕሚ እውን ዘዕቢ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኮሪደራት ንግድን ቱሪዝምን ዘስፍሕ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ማእኸል በይነ ኣህጉር ይገብራ ከምዝገብራ ሓቢሮም።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደቡብ ምብራቕ ኣብ ከባቢ 40 ኪሎ ሜትሮ እትርከብ 1910 ሜትር ብራኸ ዘለዋ ቢሾፍቱ ንስራሕ ኣውሮፕላናት ምችው ዝኾነ ከባቢ ዘለዋ እንትትኸውን መባፅሒኦም ኢትዮጵያ ንዝገበሩ ይኹን ንትራንዚት መንገደኛታት ብቑዕ ኩነታት ዘለዋ እያ ኢሎም።

ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ቅርበት ምስቲ ነባር ምህዳር ትራንስፖርት ኣየር ብቐሊሉ ዝተወሃሃደ ኣሰራርሓ ንክህሉ ምችው ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ስራሕ መዕርፎ ነፈርቲ ብዓመት 60 ሚልዮን መንገደኛታት ዘተኣናግድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እንትዛዘም እውን ንኣፍሪካ ካብ ዓለም ግንባር ቀደም መናሃርያ ትራንስፖርት ኣየር እታ ሓንቲ ዝገብራ ኣብ ዓመት 110 ሚልዮን መንገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ክህልዎ እዩ ኢሎም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply