ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብቤት ምኽሪ ንግዲ ኣፍሪካ “ብሉፅ ፕሮጀክት ኢንዳስትሪ ኢነርጂ ናይ 2026” ተባሂሉ ተሸሊሙ

You are currently viewing ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብቤት ምኽሪ ንግዲ ኣፍሪካ “ብሉፅ ፕሮጀክት ኢንዳስትሪ ኢነርጂ ናይ 2026” ተባሂሉ ተሸሊሙ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 22 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብቤት ምኽሪ ንግዲ ኣፍሪካ “ብሉፅ ፕሮጀክት ኢንዳስትሪ ኢነርጂ ናይ 2026” ተባሂሉ ተሸሊሙ።

ስነ-ስርዓት ሽልማት 21 ጥሪ 2018 ምሸት ኣብ ጋና አክራ፣ ኣብ ዝርከብ ኬምፒንስኪ ጎልድ ኮስት ሆቴል ተኻይዱ።

እቲ ሽልማት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ኣህጉር ኣፍሪካ ንዝገበሮ ዓብዪ ኣበርክቶ ንምፍላጥ ዝተዋህበ እዩ።

እቲ ሽልማት ብስም ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ጋና ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ቻርጅ ዲ ኣፈየርስ ኣምባሳደር ኣሳየ ኣለማየሁ ተቐቢሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት መራሕቲ ሃገራት፣ ሚኒስተራት፣ መራሕቲ ኢንዱስትሪን ትካላትን፣ ኣምባሳደራትን ካልኦት ክቡራት ዕዱማትን ተረኺቦም።

ዳይሬክተር ሽልማት ቢዝነስ ኣፍሪካ ማሃሙዱ ሃያቱ፡ እቲ ግድብ ኣብ ኢንዳስትሪ ትራንስፎርሜሽን ኣፍሪካ፣ ዞባዊ ንግዲን ምትእስሳር ኤሌክትሪክን ዝገበሮ ልዑል ኣበርክቶ ኣፍልጦ ብምሃብ ነቲ ፕሮጀክት ክሽለም ከምዝከኣለ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ግድብ ኣብ ዓቕሚ ምፍራይ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ድሕንነትን ከምኡ እውን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሕ ኢንዱስትርያዊ ትራንስፎርሜሽን ዓብዪ ኢንቨስትመንት ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ብተወሳኺ ንማኑፋክቸሪንግ፣ ኣግሮ-ፕሮሰሲንግን ኢንዱስትርያዊ ሰንሰለት እሴት መሰረት ከምዝተነፀፈ ኣመልኪቶም።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ኣሸብር ባልቻ ኣብ ዝለኣክዎ መልእኽቲ፡ እቲ ሽልማት ሃገራት ኣፍሪካ ብናይ ባዕለን ጸጋታትን ጻዕርን ናይ ባዕለን መጻኢ ንምህናጽ ዘለወን ሓባራዊ ባህጊ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ገሊፆም።

ብተወሳኺ እቲ ግድብ ንሓባራዊ ብልጽግና እታ ኣህጉር ብኣፍሪካውያን ተተሊሞም፣ ክህነጹን ክሰርሑን ዝኽእሉ ዓበይቲ፣ ዝተሓላለኹን ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘለዎምን ፕሮጀክትታት መሰረተ ልምዓት ህያው ምስክር ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ኢትዮጵያ ናብ ሓምለዋይ ምዕባለ ዝመርሕ መንገዲ ልምዓት ስትራቴጂካዊ ምዝንባላ ንጹር ምስክር ምዃኑ’ውን ገሊጾም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ግድብ ፋብሪካታት ሓይሊ ብምሃብ፣ ዲጂታላዊ ትራንስፎርሜሽን ብምምችቻውን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ስግረ-ዶባዊ ምትእስሳር ሓይሊ ብምጥንኻርን ከም ማእኸል ሓይሊ ኣህጉር ኮይኑ የገልግል ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ኣፍልጦ ኢትዮጵያ ንዕውትነት ኣጀንዳ 2063 ሕብረት ኣፍሪካ ዘለዋ ተወፋይነት ዘርኢ ኮይኑ፡ ኣፍሪካ ንኢንዱስትሪታታ ብናይ ባዕላ ሓይሊ ክትህብ ከምእትኽእል ንዓለም ዘርኣየ ታሪኻዊ ፍጻመ ምዃኑ ካብ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ፓወር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply