ገበርቲ ሰናይ ሰብ ሞያ ጥዕና ፖላንድ ግልጋሎት ሕክምና ክህቡ እዮም

You are currently viewing ገበርቲ ሰናይ ሰብ ሞያ ጥዕና ፖላንድ ግልጋሎት ሕክምና ክህቡ እዮም
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 13 ለካቲት 2018 ዓ/ም

ገበርቲ ሰናይ ሰብ ሞያ ጥዕና ፖላንድ ግልጋሎት ሕክምና ክህቡ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም ።

እቶም ሰብ ሞያ ጥዕና ንሓደ ሰሙን ዝፀንሕ ሕክምና መጥባሕቲ ፣ስብራት ኣዕፅምቲን ካልኦትን ኣብ ፃንሒቱ ክህብ እዩ ፡፡

እቲ ግልጋሎት ሕክምና ኣብ ጦር ኃይሎች ሓፈሻዊ ሆስፒታል፣ ኣብ አለርት ሓፈሻዊ ሰፔሻላይዝድ ሆስፒታልን ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሀዋሳን ሕክምና መጥባሕቲ፣ ሕክምና ስብራት ኣዕፅምትን ነርቭን ከምዝህብ ገሊፁ፡፡

ፕረዚዳንት ማሕበር ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ወይዘሮ ቅድስት ልዑልሰገድ፣ እቲ ጉጅለ ዝህቦ ግልጋሎት ናብ ወፃኢ ከይዶም ክሕከሙ ንዘይኽእሉ ዜጋታት ፍሉይ ዕድል እዩ ኢለን።

ኣካያዲት ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጦር ኃይሎች ብሪጋዴር ጄኔራል ዶ/ር ገነት ይማም ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ዜጋታት ሃገሮም ብፍልጠቶምን ብክእለቶምን ንክድግፉ ፃውዒት ኣቕሪበን።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply