AMN PLUS-ትግርኛ 19 ጥሪ 2018 ዓ/ም
ገበናት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምጥቃምን ራዕድነት ብገንዘብ ምድጋፍን ምክልኻል ዘኽእል ብሰብ ስራሕ ብልሒ ዝተደገፈ ስርዓት ንምልማዕ ስምምዕ ተፈሪሙ።
እቲ ስምምዕ፤ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር)ን ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ሙሉቀን ኣማረን እዮም ፈሪመምዎ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ወርቁ ጋቸና (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ስምምዕ ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ገበናት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምጥቃምን ራዕድነት ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻል ንዝገብሮ ፃዕሪ ዝድግፍ እዩ።
እቲ ስርዓት ሰብ ስራሕ ብልሒ መሰረት ብምግባር ረቀቕቲ ገበናት ቅድሚ ምፍፃሞም ምትራፍን እቲ ፀገም እንተጋጥም ድማ ዝኸፍአ ጉድኣት ከይበፅሐ ብቕልጡፍ ምፍታሕን ዘኽእል እዩ ኢሎም።
እዚ ስርዓት ንምምዕባል ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናተሳጡ ከምዝፀንሑ ብምዝኽኻር፤ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ብዝሓለወ ኣብ ዝተተለመሉ እዋን ሰሪሕኻ ንምርካብ ድሉዋት ኢና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ሙሉቀን ኣማረ ብግደኦም፤ ኢትዮጵያ ኣባል ሕብረት ትካላት ፋይናንስን ዓለም ለኸ ግብረ ሓይሊ ትግበራ ፋይናንስን ስለዝኾነት ሓበሬታታት ገበን ፋይናንስ ምስ ካልኦት ሃገራት ከምትለዋወጥ ሓቢሮም።
ስለዝኾነ ድማ ገበናት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምጥቃምን ራዕድነት ብገንዘብ ምድጋፍን ዝተሓላለኹን ዶብ ተሳገርትን ስለዝኾኑ ደገፍ ቴክኖሎጂ ከምዘድልዮም ብምሕባር፤ እቲ ስርዓት እዚ ዝተሓላለኸ ገበን ምስ ሃገራት ብምትሕብባር ከምኡ እውን ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ብምስራሕ ካብ ገበን ምድሓን ከምዘይከኣል ንምርኣይ ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ገበናት ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝተረኸበ ገንዘብ ሕጋዊ ኣምሲልካ ምጥቃምን ራዕድነት ብገንዘብ ምድጋፍን ንምክልኻልን ድሕንነታ ንምርግጋፅ እዚ ስርዓት ብምፍጣራ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውን እዩ ኢሎም።