ፍሉጥ ዩቲዩበር ዓለምና መቕረቢ ቀጥታ ፈነወ ዩቱብ አይሾው ስፒድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት የካይድ ኣሎ

You are currently viewing ፍሉጥ ዩቲዩበር ዓለምና መቕረቢ ቀጥታ ፈነወ ዩቱብ አይሾው ስፒድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዑደት የካይድ ኣሎ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 5 ጥሪ 2018 ዓ/ም

ፍሉጥ ኣመሪካዊ ዩቲዩበርን መቕረቢ ቀጥታ ፈነወን መንእሰይ አይሾው ስፒድ ወይ ዳረን ዋትኪንስ ጁኒየር ኣብ አዲስ አበባ ዑደት እናካየደ ይርከብ፡፡

ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 21 ጥሪ 2005 ኣብ ኣመሪካ ኦሃዮ ዝተወለደ ዳረን ዋትኪንስ ጁኒየር ብዩቲዩበር ፣ ስትሪመርን ራፐርን ክእለታቱ ኣብ ዓለም ብስፍሓት ይፍለጥ፡፡

አይሾው ስፒድ ኣብ ቪዲዮታቱ ብዘርእዮም ልዑል ጉልበት ፣ ሃንደበታዊ ምንቅስቓሳቱን ተግባራቱን ይፍለጥ።

አይሾው ስፒድ ኣብ ቲክቶክ ብዝለቆም ናይ ባዕሉ ሓፀርቲ ቪዲዮታት ብብርኪ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ተኸተልቲ ከፍሪ ኽኢሉ እዩ።

አይሾው ስፒድ ኣብዚ ሕዚ እዋን “Speed Does Africa” ዝተብሃለ ጉዕዞ እናገበረ እንትኸውን፣ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ እናጎብነየ ይርከብ።

ኣብ ኬንያ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 300 ሺሕ ሓደሽቲ ተኸተልቲ ብምርካብ ተኸተልቲ ዩቲዩብ 48 ሚሊዮን ኣብፂሑ ይርከብ።

ብዙሓት ኢትዮጵያን ዩቱዩበራት ዑደት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምክትታል ይርከቡ ፡፡ካብ ቐረባ እዋናት ንነዘ ብዙሓት ብብርኪ ዓለም ለኸ ዝፍለጡ ዩቲዩበበራት፤ ቲክቶከራት፤ ጋዜጠኛታት፤ አርቲስትታት፤ ሰብ ሞያ ስፖርት ፤መራሕቲ ሃገራትን ሕርያኦም ኣዲስ ኣበባ ገይሮም ዑደት ኣብ ምክያድ ይርከቡ።

ብወንድማገኝ አሰፋ

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply