ፍሬወይኒ ኃይሉ ናይዚ ዓመት ፈጣን ሰዓት ብምምዝጋብ እንትትስዕር ፅጌ ዱጉማ 3ይ ወፂኣ

You are currently viewing ፍሬወይኒ ኃይሉ ናይዚ ዓመት ፈጣን ሰዓት ብምምዝጋብ እንትትስዕር ፅጌ ዱጉማ 3ይ ወፂኣ
Spread the love

AMN PLUS-ትግርኛ 13 ለካቲት 2018 ዓ/ም

ኣብ ፈረንሳይ ሌቪን ኣብ ዝተኻየደ አትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ውድድር ብደቂ ኣንስትዮ 3000 ሜትር ዝተሳተፈት ፍሬወይኒ ኃይሉ ቀዳመይቲ ኮይና ዛዚማ፡፡

ፍሬወይኒ ነቲ ርሕቐት ንምሽፋን ዝወሰደላ 8:24.59 ሰዓት ናይዚ ዓመት ፈጣን ተባሂሉ ተመዝጊቡላ፡፡ ኣብቲ ርሕቐት ዝተሳተፈት ካልአይቲ ኢትዮጵያዊት አትሌት አለሽኝ ባወቀ 2፡26.29 ብምእታው 2ይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ፡፡

ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ 3000 ሜትር ወንዶች አዲሱ ይሁኔ ስዒሩ፡፡ እቲ አትሌት ነቲ ርሕቐት ንምሽፋን 7:33.58 ሰዓት ወዲኡሉ፡፡ ኣብዚ ርሕቐት ዝተሳተፈ ጌትነት ዋለ 3ይ ወፂኡ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ 800 ሜትር ናይ ምስዓር ቅድመ ግምት ረኺባ ዝነበረት ፅጌ ዱጉማ 3ይ ደረጃ ሒዛ ዛዚማ፡፡ ነቲ ውድድር እንግሊዛት ኪሊ ሄጅኪንሰን አሸናፊት ኮይና ዛዚማ፡፡ እታ አትሌት 1:54.87 ብዝኾነ ሰዓት ሓዱሽ ክብረ ወሰን ኣመዝጊባ፡፡

ብደቂ ኣንስትዮ 1500 ሜትር ብርቄ ሓየሎም 2ይ ከምኡ እውን ሳሮን 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply