AMN PLUS -ትግርኛ 06 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት)ኣብ 7ይ ሀገራዊ መረፃ ንምውድዳር ምድላዋት እናገበረ ምዃኑ ኣፍሊጡ ።
ብብሄራዊ ቦርድ መረፃ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዝረኸበ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት ፈላማይ ኣኼባ ቤት ምኽሪ እቲ ፓርቲ እናካየደ ይርከብ ።
ኣብቲ መድረኽ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ምግምጋም ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣድሂቡ ከምዝዝቲ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርትን ሓላፊ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣይተ ብርሃነ ገ/የሱስ ተዛሪቦም።
ካብቶም ኣጀንዳታት ቅድመ ምድላው 7ይ ሃገራዊ መረፃ ከምዝርከብዎም ሓቢሮም።
በዚ መሰረት ንመረፃ ዝወዳደሩ ሕፁያት ንምምራፅን ጎስጓስ ንምግባርን ምድላው ኣረዲኦም።