ፕሮጀክት ምምሕያሽ መነባብሮ ከባብታት ቆላ ነቲ ሕብረተሰብ ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ እዩ

You are currently viewing ፕሮጀክት ምምሕያሽ መነባብሮ ከባብታት ቆላ ነቲ ሕብረተሰብ ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ እዩ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 07 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

ፕሮጀክት ምምሕያሽ መነባብሮ ከባብታት ቆላ ነቲ ሕብረተሰብ ተረባሒ ዝገብሩ ስራሕቲ ልምዓት እናሳለጠ ከምዝርከብ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ገሊፆም።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብ290 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ዝተሃነፀ ማእኸል መራብሒ፣ዝርገሐን መቀነባበሪ ቀለብን ደርሆ ጼጼ ሎሚ ተመሪቑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ፤ ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር)፣ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰንን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት መራርሓ ተረኺቦም።

እቲ ማእኸል ኣብ ሓደ ግዜ 39 ሽሕ ጨቓውቲ ምፍራይ ከምዘኽእል እውን ተገሊፁ።

ሚኒስትር መስኖን ከባብታት ቆላን ኣብርሃም በላይ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ፕሮጀክት ምምሕያሽ መነባብሮ ከባብታት ቆላ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ውፅኢታዊ ንክኸውንን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ እዩ።

በቶም ፕሮጀክትታት ሂወት ሓረስቶትን ኣርባሕትን ንምቕያር ዘኽእሉ ኣናእሽተይ መስመራት መስኖ፣ህንፀት መንገድን ካልኦት መሰረተ ልምዓትን እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ እንስሳት ንምርባሕ ዝሕግዝ ማእኸል ፈሳሲ ናይትሮጅን ሓዊሱ ሎሚ ዝተመረቐ ማእኸል መራብሒ፣ዝርገሐን መቀነባበሪ ቀለብን ደርሆ ጼጼ ብምህናፅ ኣብ ምርባሕ እንሰሳትን ቀረብ ቀለብን እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ማእኸል ንነበርቲ እቲ ከባቢ እኹል ቀረብ ደርሆን እንቋቁሖን ንክህሉ ብምግባር ዓቕሚ ኣታዊኦም ንከመሓይሹ ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ሚኒስትር ግብርና ኣዲሱ ኣረጋ ብግደኦም፤ ዓሌት እንስሳት ብምምሕያሽ መፍረያይነት እንሰሳት ንምዕባይ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም ኢሎም።

ዓውዲ ግብርና ካብ ዘፍርዮ ኢኮኖሚ እቲ 40 ሚኢታዊ ካብ እንሰሳት ከምዝርከብ ብምሕባር፤ እቲ ዓውዲ ንምምዕባል ኣብ ዘኽእል ምምሕያሽ ዓሌት እንሰሳት ትኹረት ከምዝተገበረ ኣረዲኦም።

ማእኸል መራብሒ፣ዝርገሐን መቀነባበሪ ቀለብን ደርሆ ጼጼ ድሌት ደርሆን እንቋቁሖን ምዕራብ ኢትዮጵያ ዘማልእ ዓብይ ፕሮጀክት ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።

ሚኒስቴር መስኖን ከባብታት ቆላን ዓውዲ እንሰሳት ንምምዕባል ዘሳልጦ ዘሎ ስራሕ እውን ዝተባባዕ ከምዝኾነ ምዝራቦም ፀብፃብ ግዜኢ የረድእ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፤ እቲ ማእኸል ኣብቲ ክልል ንዝሳለጥ ዘሎ መርሃ ግብሪ ትሩፋት ሌማት ሓዊሱ ተወሳኺ ዓቕሚ ብምዃን ዋጋ ዕዳ ኣብ ምርግጋዕ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ገሊፆም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply