ኣብ ሊብያ ዝተኣዘዛ ሞባይላት ድሕሪ 16 ዓመት ኣብ ኢድ ነጋዳይ በፂሐን፡፡
ኣብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ዝነብር ሓደ ነጋዳይ ኣብ 2010 ዓመተ ፈረንጂ ዝኣዘዘን ኖክያ ሞባይላት ድሕሪ 16 ዓመታት ከምዝተረከበ ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡
እተን ሞባይላት ኣብቲ እዋን ክባራት ዝነበራ እንትኾና ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ግዜ ዝሓለፈንን ኣብ ዕዳጋ እውን ብዙሕ ዘይጥለባን እየን፡፡
ምኽንያት ምድንጓይ እተን ሞባይላት ካብቲ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ሊብያ ብዝነበረ ቅልውላው ግልጋሎት መልእኽቲ ስለ ዝተቛረፀ ከምዝኾነ እቲ ፍልፍል ኣረዲኡ፡፡
እቲ ሰዳዲን ተቐባልን ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ኣብ ናይ ውሕድ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነብሩ እንትኾኑ ኣብታ ሃገር ብዝነበረ ስእነት ሰላም ግና እቶም ዕሹጋት ሞባይላት ን 16 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ገዛ ተረሲዖም ፀኒሖም እዮም፡፡
ነቶም ሞባይላት ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣብ ገዝኡ ሒዝዎም ዝፀንሐ ብዓል ድንኳን ነቶም ሞባይላት እናሰሓቐ ምስ ኣዕርኽቱ ክኸፍቶም ከሎ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ዝተርኣየ እንትኸውን “እዞም ሞባይላት ደጊም ናብ ሙዝየም ድዮም ክኣትዉስ ዋላ ይጠቕሙ እዮም?” ክብል ተሰሚዑ እዩ፡፡