ኣብ ክልል ትግራይ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ተጀሚሩ

You are currently viewing ኣብ ክልል ትግራይ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ተጀሚሩ
Spread the love

AMN ትግርኛ 25 ሰነ 2016 ዓ.ም

ተፀዋዕቲ ትካላት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ክልል ትግራይ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ ኣጀሚረን፡፡

ኣማኻሪ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ቀነዓ ያደታ (ዶ/ር) ከምኡ እውን ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ መቐለ ሕድሳት ዓቐመ ደካማታት ኣጀሚሮም።

እቲ ኣዘልግሎት ወለንታ ከም ባህሊ ብምውሳድ ሃገር ምህናፅ ከምዝግባእ ዘልዐሉ ቀነኣ ያደታ(ዶ/ር)፥ ነዚ ድማ መንግስቲ ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ብግደአን፥ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ተሳትፎ ዝነበሮም ተፀዋዕቲ ትካላት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መርሃ ግብሪ አዚ ዓመት ክልላት ትግራይን ሲዳማን ከምዝሳተፋ ሓቢረን።

መርሃ ግብሪ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ እዚ ዓመት÷ ብብርኪ ሃገር ልዕሊ 34 ሚሊየን ወለንታውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ተግባራት ከምዝሳተፉ እውን ኣብሪሀን፡፡

በዚ ድማ ልዕሊ 50 ሚሊየን ዜጋታት ተረባሕቲ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ተዛሪበን።

ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ተፀዋዕቲ ትካላት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብምምስጋን፤ “ከምዚ እንትንተሓጋገዝ ህይወት ዜጋታት ክንቅይር ንኽእል ኢና” ኢሎም፡፡

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply