AMN PLUS -ትግርኛ 26 ሕዳር 2018 ዓ/ም
ስድራን ኣባላት ቤተሰብን ነባራት መራሕቲ ኣቀንቀንቲ ፓንአፍሪካ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዑደት የካይዱ ኣለው።
ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዑደት ካብ ሞንጎ ዘካይዱ ዘለው ስድራን ኣባላት ቤተሰብን ነባራት መራሕቲ ኣቀንቀንቲ ፓንአፍሪካ ስድራ ኩዋሚ ንክሩማ፣ ጁሊየስ ኔሬሬ፣ ኮለኔል ሙዓመር ጋዳፊ ይርከብዎም።
ኣብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣፍሪካ ሚድያ አዋርድ ተሳተፍቲ ዝነበሩ እቶም ልኡኻት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተሃነፁን ኣብ ምህናፅ ዝርከቡን ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም።