AMN PLUS -ትግርኛ 06 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
ሹም ተምቤን ዝተብሃለ ክልላዊ ፓርቲ 23 ሓምለ 2017 ዓ/ም ግዝያዊ ኣፍልጦ ረኺቡ 5 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ፈላማይ መስረታ ጉባኤኡ ምክያዱ ኣፍሊጡ ።
ኣብ መስረታይ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ፕረዚዳንት ላዕለዋይ ጠማቲ ፓርቲ ሹም ተምቤን፣ኣቦ ወንበር ፣ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ፈፀምቲ ስራሕን ከምኡ እውን ኣባላት እንስፔክሽንን ቑፅፅር ኮሚሽንን ኣባላት ቦርድ እቲ ፓርትን ተወከልቲ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኣብ ዝተረኸብሉ ምምራፁ ተሓቢሩ።
ፕረዚዳንት ላዕለዋይ ጠማቲ እቲ ፓርቲ (ሹም ተምቤን)ኣይተ ገ/ሚካኤል ተስፋይ ኣብቲ እዋን ከምዝበልዎ፣እቲ ፓርቲ ብኣወዳድባ ክልላዊ ኮይኑ ብኣተሓሳስባን ፅንሰ ሓሳብ ሃገራዊ ፓርቲ እዩ ብምባል ንዲሞክራሲ፤ንሰላምን ልምዓትን ከምኡ እውን ንምኽባር ሃገራዊ ረብሓ ምስ ዝቃለሱ ሓይልታት ብሓባር ከምዝሰርሑ ተዛሪቦም።
ኣተሓሒዞም ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ኣብቲ ክልል ዝተመረፀ መንግስቲ ብዘይምህላው ዝመፀ እዩ ዝበሉ ኣይተ ገ/ሚካኤል ተስፋይ ነዚ መፍትሒ ንምምፃእ ኣብቲ ክልል ተኣማንን ፍትሓውን መረፃ ብምክያድ ዝተመረፀ መንግስቲ እንትህልው እዩ ኢሎም።

ነዚ ድማ ኣብቲ ክልም ዝመፅእ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ዝተተሓዘሉ እዋንን ሕግታት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ተኸቲሉ ንኽካየድ ፓርቶም ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእ ኣገንዚቦም።
ኣቦ ወንበር እቲ ፓርቲ ኣይተ ጎይትኦም ወልደማርያም ብወገኖም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ስእነት ሰላምን ምፅባብ ምህዳር ፖለቲካን ንምፍታሕ ኹሉ በብኸባቢኡ ተወዲቡ መሰል ዓርሰ ምምሕዳር ብምርግጋፅ ትኽክለኛ ስርዓት ፌፌራሊዝም እንትትግበር ጥራሕ እዩ ኢሎም።
ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንክሰፍንን ስራሕቲ ልምዓት ንምክያድን መፃኢ 7ይ ሃገራዊ መረፃ እንትካየድን ዝተመረፀ መንግስቲ እንትህልውን ብምዃኑ ነዚ ድማ ፓርቲ ሹም ተምቤን ኹሉ ዝከኣሎ ከምዝገብር ተዛሪቦም።
ኣብ መስራታይ ጉባኤ ሹም ተምቤን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ውድባት ፖለቲካ፣ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ፥ተወልድቲ ኣገውን ተወለድቲ ተምቤንን ተረኺቦም።