AMN PLUS -ትግርኛ 07 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንመዘነኦም ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ምቕባሎም ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ንዕላዊ ዑደት ብምቕባለይ ሓጎስ ተሰሚዑኒ ኢሎም።
ዑደት እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ዝመፀ ምትእስሳር ዘመላኽት እንትኸውን ዘተና ኣብ ሓበራዊ ቅድሚያ ዝውሃቦም ጉዳያትና ምትሕብባርና ዝበለፀ እነጠናኽረሉ ከምዝኸውን እምነተይ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ( ዶ/ር) መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።