AMN PLUS -ትግርኛ 19 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ስራሕ ዳግማይ ምጥያሽ ብምትዕንቓፍ ተመዛበልቲ መሳርሒ ሽርሒ ፖለቲካ እናገበረ ከምዝርከብ ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረት ትግራይ (ስምረት) ገሊፁ።
ኣባል ቤት ምኽሪ ከምኡ እውን ዘፈር ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ፓርቲ ስምረት ጠዓመ ዓረዶም ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ፤ ኣብ ክልል ትግራይ ዝንቀሳቐስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዳግማይ ንከይጣየሹ ዕንቅፋት እናፈጠረ እዩ ዝርከብ።
እቶም ተመዛበልቲ መሳርሒ ፖለቲካ እናገበሮም ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንፖለቲካ ትርፊ ኢሉ ብሽም ተመዛበልቲ ከምዝነግድ ብምግላፅ፤ ተመዛበልቲ ብምፍርራሕን ኣብ ፀገም ንክወድቁ ብምግባርን ንጥሜት ንክቃልዑ እናገበረ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን እቲ ጉጅለ ንተመዛበልቲ ዝለኣኽ ረድኤት ብምምንጣል ንፖለቲካዊ ዕላማ እናውዓሎ ከምዝርከብ ብምሕባር፤ መሰሎም ንዝሓቱ ድማ እናፈራርሐ ጉድኣት እናብፀሐሎም ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብሽርሒ ዝፈጠሮ እዩ ኢሎም።
እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ፀገም፣ ሞትን ስቓይን እቶም ተመዛበልቲ ንክቕፅል እናገበረ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጠዓመ ዓረዶም፤ ብፍላይ ድማ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝን ናውትን ናብቶም ተሓገዝቲ ብቀጥታ እናበፅሐ ከምዝኾነ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ምርግጋፅ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
መንግሥቲ ፌዴራል ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ንዝርከቡ ተመዛበልቲ ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።