ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 63 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰብ ተፀምቢሮም – ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ

You are currently viewing ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 63 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰብ ተፀምቢሮም – ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ
Spread the love

AMN PLUS -ትግርኛ 18 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም

‎ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 63 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰብ ምፅምባሮም ኮሚሽን ብሔራዊ ተሃድሶ ኣፍሊጡ ።

ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 63 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰቦም እንትፅምበሩ ነቲ ከይዲ ልዕሊ 6 ቢሊዮን ብር ድጋፍ ምግባሩ ተገሊፁ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝተኻየደ ኵናት ተሳቲፎም ብከይዲ ምፍታሕ ዕጥቅን መሊስካ ምጥያሽን ዝሓለፉ ነበር ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሕጋዊ ጥቕማ ጥቕሚ ዝኽበረሉ መንገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ተኻይዱ።

ኮሚሽነር ኮሙሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተመሰገን ጥላሁን ከምዝገለፅዎ፥ቀንዲ ልኡኽቶ እቲ ኮሚሽን ኣብ ኹለን ክልላት ዓጢቖም እናተዋግኡ ዝፀንሑ ኣካላት ብስልጠናን ቁጠባዊ ድጋፍን ናብ ሰለማዊ ህይወት ምምላስ እዩ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር ሰላም ንዝሓሸ ህንፀት ሃገር ምጥቃም ከምዝግባእን ኹሉ ወገን ካብ ኣጉል ፖለቲካ ወፂኡ ንሰላም ዘብዒ ደው ክብል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ብመሰረት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ 63 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰቦም እንትፅምበሩ ነቲ ከይዲ ልዕሊ 6 ቢሊዮን ብር ድጋፍ ዝተገበረ ኮይኑ፥ብብርኪ ሃገር ድማ ልዕሊ 80 ሺሕ ነበር ተዋጋእቲ ብልዕሊ 10 ቢሊዮን ብር ድጋፍ ናብ ማሕበረሰቦም ምፅምባሮም ኣፍሊጦም።

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሓላፊ ዋና መምርሒ ኣመራርሓ ሃፍቲ ሰብ ሌተናል ጀነራል ሀጫሎ ሸለመ ብወገኖም ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ተግባራዊ ንምግባር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ቑርፀኛ ምዃኑ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ኣብ ኲናት ዝተሳተፉ ኣካላት ብሕጋዊ መንገዲ ክኽበሩሎም ዝግብኡ ጥቕማ ጥቕሚ ንክኽበሩሎም ከምዝሰርሕን ነበር ኣባላቱ ኣብ ዝመረፅዎ ዓውደ ስራሕ ንክዋፈሩ ኣድላይ ድጋፍ ከምዝገብረሎም ኣረጋጊፆም።

AmnAdmin

MAJOR ASCHIEVMENTS

Leave a Reply